ሱዳንን ቻድን፣ ሓድሕድን ዲፕሎማሰኛታት ይሰጓ

Radio Erena: Tuesday, 19 December 2023

ቻድ፣ ን17 ዲፕሎማሰኛታት ሱዳን ክትሰጉግ እንከላ፣ ሱዳን ብወገና ን3 ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ቻድ ኣብ ካርቱም ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክወጹ ኣዚዛ።

እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ዲፕሎማሰኛታት ሓድሕደን ኣብ ምስጓግ ዝተጸምዳሉ ምኽንያት፣ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብቲ ብጀነራል ሃምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ዝረላእከ ኣጽዋር፣ ብቻድ ይሓልፍ ኣሎ ክትብል ሱዳን ድሕሪ ዘቕረበቶ ክሲ’ዩ።

ሱዳን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን፣ 15 ዲፕሎማሰኛታት ሕቡራር ኢማራት ዓረብ ካብ ካርቱም ክትሰጉግ እንከላ፣ እታ ዓረባዊት ሃገር ብወገና፣ ንሰለስተ ሱዳናውያን ኣባላት ኤምባሲ ካብ ሃገራ ከምዘውጽአት ይፍለጥ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ነቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ እናደገፈት፣ ኵናት ሓድሕድ እታ ሃገር ተጋድድ ኣላ ክብል’ዩ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ኣዛዚ ሰራዊት መንግስን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝወቕስ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብወገና፣ እቲ ብሱዳን ዝቐረበ ወቐሳ ሓቕነት ከምዘይብሉን፣ ኩሎም ተጻረርቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ፍልልያቶም ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍታሕ፣ ናብ ዝርርብ ክቀርቡ ከምእትጽውዕን ትሕብር።

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ምትእትታው ካልኦት ሃገራት እንተተሓዊስዎ፣ ንከም ቻድን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ካልኦትን ክጸሉ ዝኽእል ዞባዊ መልክዕ ከይሕዝ ይስጋእ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0