ኤርትራ፣ ተላጊበን ዝተወልዳ መናቱ ብመጥባሕቲ ንምፍልላየን፣ ብሓገዝ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሪያድ ኣትየን

Radio Erena: Tuesday, 19 December 2023

ኣብ ኤርትራ፣ ተላጊበን ዝተወልዳ መናቱ፣ ብመጥባሕቲ ንምፍልላየን ኣብ ዘሎ ተኽእሎ ገምጋም ንምክያድ፣ ብሓገዝ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ሪያድ ናብ ዝርከብ ዝልዓለ ሆስፒታል ከምዝኣተዋ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እተን መናቱ ምስ ወለደን፣ ካብ ስዑዲ ብዝተላእከት ፍሉይቲ ነፋሪት፣ ብ17 ታሕሳስ ናብ ሪያድ ድሕሪ ምእታወን፣ ብኡ ንብኡ’ዮም፣ ናብ ሆስፒታል ቆልዑ ንጉስ ዓብደደላ ‘የን ተወሲደን።

እዛ ኤርትራዊት ስድራ፣ ንሕክምና፣ መጓዓዝያ ይኹን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ እትጸንሓሉ ግዜ፣ ዘድሊ ወጻኢታት ኩሉ፣ ብሓገዝ ትካል ግብረ ሰናይ ንጉስ ሳልማ ከምዝሽፈን ኣራብ ኒውስ ኣፍሊጡ።

ስድራቤት እተን ኣስማን ሱፈያን ዝተባህላ፣ ተላጊበን ዝተወልዳ መናቱ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ንዝገበረለን ሓገዝ ልዑል ምስጋና ኣቕሪበን።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0