ጂቡቲ፡ ህሉው ኩነታት ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንጠለባት ወደባታ ከምዘዕበዮ ገሊጻ

RADIO ERENA:- Tuesday, 05 March 2024

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተኸሲቱ ምስ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ተተሓሒዙ፡ ወደባት ጂቡቲ ጠለባቱ እናዓበየ ከምዝመጸ ተሓቢሩ።

ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ፡ ንሰብ መዚ ወደብ ጂቡቲ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣገልግሎታት ምጽዓንን ምርጋፍን ኮንተርነራት ወደብ ዶራለ ምስ ናይ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ክነጻጸር እንከሎ ብ10%’ዩ ወሲኹ።

እዚ ድማ ምስቲ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃታትን ንሱ ዝፈጠሮ ስግኣትን ዝተተሓሓዘ ምዃኑዩ ተመልኪቱ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ወደብ ዶራለ፡ እስማዒል ሓሰን ነቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ወደብ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ካብ 60 ክሳብ 70ዓበይቲ መራኽብ ከምዘአንገደ ኣነጺሩ።

ኣብቲ ወርሒቲ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ኮንተነራት ከምዝተጻዕነን ከምዝተራገፈን ዘመልከተ እቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ወርሒ ካብ 5 ክሳብ 10% ወሰኽ ከምዝነበሩ ጠቒሱ።

ዳርጋ ኩለን ኣህጉራውያን ኩባንያታት መጓዓዝያ ባሕሪ ኣብ ጂቡቲ ማእከላት ብምኽፋት ምስ ልዕሊ 60 ወደባት ዓለም ርክብ ከምዝገብራ ጸብጻብ ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ሓቢሩ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ወደባት ጂቡቲ፡ መዓልታዊ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝሓልፋ 10ታት መራኽብ፡ ጽዕነተን ከየራገፋ፡ ከም መሰጋገሪ ከምዝጥቐማሉ ጠቒሱ።

ኣስታት 12%ናይ ንግዲ ዓለምና፡ ብቀይሕ ባሕሪ ከምዝካየድ ይግለጽ።

ወደባት ጂቡቲ፡ 800 ቀወምቲ ሰራሕተኛታት፡ ኣስታት 1 ሽሕ ድማ ብግዝያዊ ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ከምዘለዉዎ በዓል መዚ ወደባት ታ ሃገር የፍልጥ።

ጂቡቲ፡ ንኢትዮጵያ ልዕሊ 95% ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ከማልኣላ እንከሎ፡ ብዘይካቲ ኣብ ንግዲ ዘለዎ ኣበርክቶ፡ ከም ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ቻይናን ካልኦት ሃገራት ድማ፡ ንወትሃደራዊ መዓላታት ይጥቀማሉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0