ኢትዮጵያ: ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ተቐይዱ

RADIO ERENA:- Monday ,04 March 2024

ኣብ ኢትዮጵያ ሕንፍሽፍሽን ዕግርግርን ከተእቱ ደሊኻ ተባሂሉ ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ዝጸንሐ ኣንቶንዮ ጋሊንዶ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ነጻ ተፈንዩ:

ጋዜጠኛ ኣንቶንዮ ጋሊንዶ ኣፍሪካን ኢንተረስት (Africa Intelligence) ንዝተባህለት ናይ ብሕቲ ማዕከን ዜና ዝሰርሕ ኮይኑ ንዋዕላ ኣፍሪቃ ሸፈነ ንምሃብ እዩ ናብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ::

እንተኾነ እቲ ጋዜጠኛ ምስ በዓል መዚ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተራኺቡ ተባሂሉ ድሕሪ ምኽሳሱ እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ::

እቲ ወዲ 36 ዓመት ጋዜጠኛ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ንገለ ዓመታት ዝተቐመጠ ብምኳኑ ኣብ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ፍሉጥ እዩ::

ኣንቶንዮ ጋሊንዶ ካብ ማእሰርቲ ነጻ ድሕሪ ምልቃቑ ናብ ከተማ ፓሪስ ፈረንሳ ከምዝተመልሰን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎን ገሊጹ ኣሎ::

ኢትዮጵያ ንዜጋታታ ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ትልልለ ኮይና ንወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት ግን ካብ ሃገራ ብምብራር እያ ትፍለጥ::

ኢትዮጵያ ኣብ 2020 ሓደ ኬንያዊ ጋዜጠኛ ብምንባራ ምስ’ዚ ፈረንሳዊ ዛጊት ክልተ ወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት ቀይዳን ነጻ ኣውጺኣን::

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0