ቱርኪ፡ ጂኦ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ኣህጉራዊ ንግዲ ፈጢርዎ ዘሎ ብድሆታት ዝዳህሰሰ ዋዕላ ተኻይዱ

RADIO ERENA:- Tuesday, 05 March 2024

ኣብ ቱርኪ፡ ጂኦ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ኣህጉራዊ ንግዲ ፈጢርዎ ዘሎ ብድሆታት ብዝምልከት፡ ኣህጉራዊ ዋዕላ ተኻይዱ።

እቲ ብኣናቶልያ ዲፕሎማሲ ፎሮሞዝተሰምየ ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከብዎም መራሕቲን ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ሓያሎ ሃገራት ተሳቲፎም።

ጂቡቲን ሶማልን፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ዝዳህሰሰ መደረታትየን ኣስሚዐን።

ሰላምን ርግኣትን ናይተን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ምዕቃብ ማለት፡ በቲ ክሊ ማይ ዝካየድ ኣህጉራዊ ንግዲ ምውሓስ ማለት ምዃኑዩ ፕረዚደንት ሶማል፡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብቲ ዋዕላ ኣረዲኡ።

ኢትዮጵያ፡ ንሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ብምጥሓስ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን በይናዊ ተበግሶ ትወስድ ከምዘላ ዝወቐሰ እቲ ፕረዚደንት፡ እዚ ድማ ነቲ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ተአፋፊ ኩነታት ዘጋድድ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ምስዚ ተተሓሒዙ፡ ቱርኪ ኣቐዲማ ምስ ሶማልን ጂቡቲን፡ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ዘተኮረ ሓያሎ ስምምዓት ከቲማ ያ።

ብፍላይ ምስ ሶማል፡ ክሊ ማይ ሶማል ንምሕላዋ ኣብ ዘኽእል ውዕል ሓይሊ ባሕሪ ኣለወን።

ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሰንኪቲ ሑቲ ናይ የመን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲን ጸጸኒሑ ዝካየድ ቅርሰናን፡ በቲ ክሊ ማይ ንዝካየድ ንኣህጉራዊ ንግዲ ውሕስነቱ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ይርከብ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0