ኢትዬጵያ፣ ተጸባይ ረዲኤት ዝኾነ ህዝቢ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ትካላት ረዲኤት ገሊጸን

Radio Erena: Friday ,12 January 2024

ኣብ ኢትዬጵያ፣ ብሰንኪ ኵናት፣ ደርቂን ተጸባዪ ረዲኤት ናይ ዝኾነ ብዝሒ ህዝቢ ልዕሊ 15 ሚልዮን ከምዝበጽሐ፣ ትካል ረዲኤት ኣመሪካ– USAID ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብታ ሃገር ቀንዲ ቀራቢ ህጹጽ ሓገዝን ረዲኤትን ዝኾነ ትካል፣ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ሰሜንን ካልእ ክፋላትን ኢትዬጵያ ብዝተኻየደን ኣብ ገሊኡ ድማ ገና ዝቕጽል ዘሎን ኵናት፣ 3.5 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ከምዘመዛበለ ሓቢሩ።

ብዘይካዚ ብሰንኪ ግጭታትን ባህርያዊ ሓደጋታትን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ኢትዬጵያ ብምስጋር፣ ዑቕባ ዝሓተቱ ልዕሊ 3 ሚልዮን ዜጋታት እቲ ዞባውን ከምዘለዉዩ እቲ ትካል ኣመልኪቱ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ልዕሊ 1500 ምንጭታት ማይ ብምድራቑ፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝብውን ንደርቂ ተቓሊዑ ኣሎ።

ኣብ ርእሲዚ፣ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፈር፣ ኦሮምያን፣ ሶማልንውን ብሰንኪ ደርቂ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት፣ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ይጽበዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብታ ክልል ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ልዕሊ 800 ሰባት ብዓጸቦ ሞይቶም።

እብ ካልእ ክልላት እታ ሃገርውን ጥሪትን መጽዓኛን ብጥሜት ይወድቁ ምህላዎምዩ ዝግለጽ።

ኣብ መላእ ኢትዬጵያ፣ ምምዝባል፣ ስእነትን ድኽነትን እናዛየደ ብምምሽኡ፣ ብሓፈሻ ተጸባዪ ረዲኤት ናይ ዝኾነ ብዝሒ ህዝቢ ዕዕሊ 15 ሚልዮን ከምዝበጽሕዩ ተገምጊሙ።

መንግስቲ ኢትዬጵያ፣ ብዛዕባዚ ናይ 1984 ዘስካሕክሕ ናይ ጥሜት ክስተት እታ ሃገር ከይድገም ኣስጊኡ ዘሎ ደርቂን ዓጸቦን ቀዳምነት ብምሃብ ይሰርሓሉ ከምዘየሎዩ ዝንቀፍ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0