ጂቡቲን ሶማልን 4.7 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ

Radio Erena:Friday 29 September 2023

ኣብ ጂቡቲን ሶማልያን፣ 4.7 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዝጋጠመ ትካላት መጽናዕትን ምድሪን ስነ ምድሪ ሓቢረን።

እቲ ብ28 መስከረም፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ዘጋጠመ ምድሪ፣ ብዝያዳ ኣብ ሰሜናዊ ጂቡቲ ኣብ እትርከብ ዞባ ታጁራ ከምዝተሰምዐ’ዩ ተገሊጹ።

መንግስቲ ጂቡቲ፣ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጥመ እኳ እንተረጋገጸ ዘውረደኦ ዕንወት ብዛዕባ ምህላዉ ወይ ዘይምህላዉ ኣይጠቐሰን።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓ,ሙሽተ ኣዋርሕ ብውሕዱ ሸሞንተ ግዜ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ጸብጻብ ትካላት መጽናዕትን ምድሪን ስነ ምድሪ ይጠቕስ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ 13 መስከረም፣ ካብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ 39 ኪሊሜተር ንደቡብ፣ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት፣ 5 ሬክቴር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፣ ከምዘጋጠመ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን፣ ኣብ ኤርትራ 5.6 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተመዝጊቡ ኔሩ።

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ የጋጥም እኳ እንተሎ፣ ኣብ ሰብ ይኹን ንብረት ጉድኣት ኣየብጽሐን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0