ቡርኪናፋሶ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ፈተነ ዕልዋ ከምዝተኻየደሉ ገሊጹ

Radio Erena:Friday 29 September 2023

ኣብ ቡርኪና ፋሶ፣ ካብ 30 መስከረም 2022 ኣትሒዙ ብዕልዋ ስልጣን ጨቢጡ ዝርከብ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ኣብ ዓመቱ ፈተነ ዕልዋ ከምዝተኻየደሉ ገሊጹ።

እቲ ብካፕቴን ኢብራሂም ትራኦረ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጁንታ ቡርኪናፋሶ፣ ብ26 መስከረም ንዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ሃንዲሶም ንዝበሎም ኣርባዕተ መኮንናት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ሓደ ሓደ ኣባላት ሰራዊትን ካልኦት ተሓባበርቶምን ዕልዋ ከምዝፈተኑ ብምጥቃስ፣ ገሊኦም ከምዝተታሕዙን ካልኦት ድማ ይህደኑን ምህላዎምን’ዩ ሓቢሩ።

እንተኾነ፣ እቶም ተሓባበርቶም ዝበሎም ኣካላት ይኹን መንነት ሃንደስቲ ናይቲ ፈተነ ዕልዋ ኣየነጸረን።

እቲ ፈተነ ዕልዋ፣ ንቡርኪናፋሶ ናብ ሕንፍሽፍሽ ንምሽማማ ዝተወጠነ’ዩ ዝበለ ክብሉ’ዩ እቲ መግለጺ ወቒሱ።

ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ቡርኪናፋሶ፣ ኣብታ ሃገር ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ክፈጥራ ይኽእላ’የን ንዝበለን፣ ከም ዠን ኣፍሪክ ዝኣመሰላ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ንጥፈታተን ደው ከብላ ኣቐዲሙ ኣዚዙ’ዩ።

ግዝኣት ፈረንሳ ኣብ ዝነበራ ሓሙሽተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፣- ማሊ፣ ጊኒ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ኒጀርን ጋቦንን ካብ 2020 ኣትሒዙ፣ ሓንቲ ድሕሪ’ታ ሓንቲ ወትሃደራዊ ዕልዋታት ምክያዱ ይዝከር።

ኣብዘን ሃገራት ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ዕልዋታት፣ ጽልኣት ምትእትታው ፈረንሳ ዝፈጠሮ’ዩ እኳ እንተተባህለ፣ ህሉዉ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ኩነታተን ካብቲ ዝነበሮ ክገድድ ደኣ’ምበር ሕጂ’ውን ክመሓየሽ ይርአ ከምዘየሎ ተንተንቲ እቲ ዞባ የረድኡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0