ሶርያ፣ ኣብ ልዕሊኣን ኤርትራ ኣብ እትርከበን ካልኦትን፣ ብምዕራባውያን ሃገራት ተነቢሩ ዘሎ እገዳታት ክልዓል ጸዊዓ

Radio Erena:Friday 29 September 2023

 

ሶርያ፣ ኣብ ልዕሊኣን ኤርትራ ኣብ እትርከበን ካልኦት ሸሞንተን፣ ብምዕራባውያን ሃገራት ተነቢሩ ዘሎ እገዳታት ክልዓል ጸዊዓ።

ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶርያ፣ ኣምባሳደር ባሳም ኣል ሳባቕ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ሶርያ፣ ኣብ መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኒው ዮርክ ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ እዚ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተነብረ በይናዊ እገዳታት፣ ኣብ ቁጠባ ከቢድ ዕንወት ስለዘውርድ፣ ብዝፈጥሮ ሰብኣዊ ቅልውላዋት፣ ካብ ናይ ዕጡቓት ሽበራ ዝፍለ ከምዘይኮነ ኣስሚርሉ።

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፣ ንዘተን ዲፕሎማሲን ዝከውን መድረኽ ክፈጥር ዝግብኦ ክነሱ፣ ንኻልኦት ንምውቃስን ንምጥቃዕን ዘመተ ዝጅመረሉ ኣጋጣሚ ክኸውን ከምዘይብሉ’ውን ነቒፉ።

ኣምባሳደር ባሳም፣ እገዳ ክልዓለለን ኣለዎ ዝበለን ሃገራት፣- ሃገሩ ሶርያ፣ ኤርትራ፣ ዚምባብዌ፣ ኢራን፣ ሰሜን ኮርያ፣ ሩስያ፣ ቤላሩስ፣ ቬኔዙዌላን ኒኳራጉዋን’የን።

እቲ ኣምባሳደር፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፣ ኣብቲ ዋዕላ ምስ ዝሳተፍ ዘሎ ወኪል ኤርትራ፣ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ብምርኻብ ተመያይጡ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0