ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ብኢጋድ ንዝቐረበ ተበግሶ ንዘተ ሰላም ብምቕባል፣ ወኪሉ ናብ ጁባ ክልእኽ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ

Radio Erena: 28 April 2023

ኣዛዚ ሰራዊት መንግስቲ፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ብኢጋድ ንዝቐረበ ተበግሶ ዘተ ንሰላም ከምዝቕበል ኣፍሊጡ።

እቲ ጀነራል፣ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፣ ብ16 ሚያዝያ ኣብ ዘካየድዎ ህጹጽ ዋዕላ፣ ብዝበጽሕዎ ስምምዕ፣ መሰረት፣ ንተበግሶ ዘተ ሰላም ቅሩብ ምዃኑ’ዩ ብመንገዲ ኣፈኛኡ ኣስሚርሉ።

ብተወሳኺ፣ ናይ 72 ሰዓታት ምቑራጽ ቶኽሲ ብምትግባር፣ ክልቲኦም ወገናት ወኪላቶም ንዘተ ናብ ጁባ ክልእኩ ተማሕጺኑ።

ኢጋድ፣ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ዋዕላ፣ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን፣ ጂቡቲን ኬንያን ናብ ካርቱም ብምብጻሕ ምስ ክልቲኦም ወገናት ክዛተ’ዩ ወሲኑ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ‘ቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲን፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ብ’ፈጣን ሓይሊ’ ዝፍለጥ ተወርዋሪ እዚን ዝተወልዐ ኵናት፣ ብዝልዓለ ናህሩ ስለዝቐጸል፣ ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣት ናብታ ሃገር ክኣትዉ ኣይከኣሉን።

መራሒ ናይቲ ፈጣን ሓይሊ፣ ጀነራል ሐሚቲ፣ ብዛዕባ’ቲ ክልቲኦም ወገናት፣ ወኪላቶም ንሎሚ ዓርቢ፣ 28 ሚያዝያ ናብ ጁባ ብምልኣኽ ክዛተዩ ዝቐረበ ናይ ኢጋድ ተበግሶ፣ ወግዓዊ መልሲ ኣይሃበሉን።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0