ቻይና፣ ዜጋታታ ካብ ሱዳን ንምውጻእ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ውኪል ኤምባሲ ናብ ታላታ ዓሸር ከምዝልኣኸት ኣፍሊጣ

Radio Erena: 28 April 2023

መንግስቲ ቻይና፣ ኣብ ሱዳን ካብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዜጋታቱ ንምውጻእ፣ ዶባት ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይጥቐም ምህላዉ ገሊጹ።

ሺንሁዋ፣ ንመግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ኣብ ሱዳን ልዕሊ 1000 ዜጋታት ቻይና ከምዘለዉ ብምምልካት፣ 10ታት ካብኦቶም፣ ልዕሊ 1000 ኪሎሜተር፣ ብኣውቶቡስ ተጓዒዞም፣ ዶብ ግብጺ ከምዝሰገሩ ኣፍሊጡ።

ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ብመተማ ክመጽኡ ንዝኽእሉ ቻይናውያን ንምቕባል፣ ወኪሉ ናብቲ ከባቢ ከምዝልኣኸ ሓቢሩ።

ብወገን ኤርትራ’ውን፣ ብኣውቶቡሳት ክመጽኡ ንዝኽእሉ ቻይናውያን ብተመሳሳሊ መንገዲ ንምቕባል፣ ወኪል እቲ ኤምባሲ ኣብ ታላታ ዓሸር ከምዘሎ፣ መርበብ ዜና እታ ሃገር-ግሎባል ታይምስ ኣረጋጊጹ።

ካብ ከባቢ ካርቱም ዝሃደሙ ኣስታት 400 ቻይናውያን፣ ብኣቶቡሳት ናብ ፖርት ሱዳን በጺሖም ከምዘለው ዝጠቐሰ እቲ መርበብ፣ ናበየነይቲ ሃገር ክሰጋገሩ ምዃኖም ኣይሓበረን።

ሰራዊት ኣመሪካን ፈረንሳን፣ ንዜጋታታቶም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን መሻርኽትን፣ ብነፈርቲ ኣብ ዝውጽእሉ ዘለዉ እዋን፣ ኣብ ጂቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ዘለዋ ቻይና ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክትወስድ ዘይክኣለትሉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

ኣብ ሱዳን ዘለዉ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ውሑስ’ዩ ናብ ዝበልዎን ናብ ዝቐረቦምን ዶባት ጎረባብቲ ሃገራት ይሃድሙ ምህላዎም ይፍለጥ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0