ዜጋታት ግብጽን ሩስያን ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተሰዊራ

Radio Erena: 28 April 2023

ሰለስተ ሩስያውያንን ክልተ ግብጻውያንን ዝጸዓነት ጃልባ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተሰወረት ጋዜጣ ኣል ሞኒተር ካብ ካይሮ ሓቢራ።

እታ ናይ መዘናግዒ ምዃና ዝተሓበረት ጃልባ፣ ብ24 ሚያዝያ፣ ካብ ግብጺ፣ ወደባዊት ከተማ ፖርት ስዒድ’ያ ተበጊሳ።

እታ ጃልባ ቅድሚ ምስዋራ፣ ኣብ ከባቢ ጂዛን ኣብ ዝርከብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ተራእያ ምንባራ ዝሓበረ፣ ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ ወናኒኣ ዝኾነ ኩባንያ፣ ኣብ ገማግም ክሊ ማይ የመን ጠፊኣ ክትከውን ከምእትኽእል ኣሚቱ።

ሩስያ፣ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምትሕብባር፣ ንድሕነት ዜጋታታ ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ግብጺ፣ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ፣ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ፣ 37 ሰባት ከምዝደሓኑ ተሓቢሩ።

እታ ኣብ ከባቢ ውደባዊት ከተማ ሁርጋዳ ዝጠሓለት ጃልባ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጽኡ 26 በጻሕቲን 11 ሰራተኛታትን ዝጸዓነት ምንባራ፣ ኣማሓዳሪ እታ ከተማ ሜጀር ጀነራል ኣሽራፍ ኤልቤሕ ገሊጹ።

ስእሊ፡- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0