ጀርመን፣ ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ብኻራ ዝቐተለ ኤርትራዊ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: Tuesday, 04 July 2023

ኣብ ደቡባዊ ጀርመን፣ ኢለሪክበርግ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ ጎደና ናይ ካራ መጥቃዕቲ፣ ብምፍጻም፣ ንጓል 14 ዓመት ቆልዓ ዝቐተለን ንኻልእ ጓል 13 ዓመት ድማ ብጽኑዕ ዘቑሰለን ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ።

እቲ ዑቕባሚካኤል ዝተባህለ ወዲ 27 ዓመት ኤርትራዊ፣ ኣብ 05 ታሕሳስ 2022 ነቲ ገበን ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ክርአ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ሎሚ ሰሉስ 4 ሓምለ 2023 ፍርዲ ተዋሂብዎ።

ንሱ፣ ነተን ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኽዳ ዝነበራ ቆልዑ ብኻራ ብምጥቃዕ ሞትን መቝሰልትን ዘስዓበነልን፣ ክፍሊ ኢሚግሬሽን እቲ ዞባ፣ ናይ መጓዓዝያ ሰነድ ስለዘይፈቐደሉ፣ ቁጠዐኡ ንምግላጽ ከምዝፈጸሞ ‘ዩ ተመልኪቱ።

ስማ ናብ ዘይተጠቕሰት ኣፍሪቃዊት ሃገር ገይሹ፣ ተመርዕዩ ክመጽእ መደብ ከምዝነበሮ ዝጠቐሰ መርበብ ዜና ቢልድ፣ ክፍሊ ኢምግሬሽን ናይ መጓዓዝያ ሰነድ ስለዝኸልከሎ ግና፣ ‘ህይወተይ ኣባላሽዮሞ’ ብዝብል ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዶ ሓቢሩ።

ንሱ፣ ነተን ቆልዑ ዝወግኣሉ ካራ፣ ካብቲ ግዝያዊ መዕቖቢ ሒዝዎ ናብ ጎደና ከምዝወጸን፣ ኣብ ዝተታሕዝሉ እዋን ድማ ኣብ ኢዱ ከምዝነበረ ጸብጻብ ፖሊስ ብወገኑ ኣገንዚቡ።

እቲ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ፣ ናይ ቁማር ወልፊ ከምዝነበሮን፤ ቅድሚ’ቲ ገበን ምፍጻሙ፣ ኣስታት 2 ሽሕ ኤውሮ ገንዘብ ከምዝተበልዐን፣ ነቲ ክሲ ከጻርዩ ዝጸንሑ ክኢልታት ምጥቃሶም’ውን እቲ መርበብ ዜና ገሊጹ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ስንፈተ-ወሲብን ካልእ ናይ ከስዐን መዓንጣን ሕማማትን ብዝፈጠረሉ ጭንቀት፣ ብቀጻሊ ንሓኪሙ የማርር ምንባሩ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ኣሎ።

ዑቕባሚካኤል፣ ተበይንሉ ዘሎ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ፣ ድሕሪ 15 ዓመታት ብኣመክሮ’ውን ክወጻእ ከምዘይኮነ፣ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ዞባ ኡልም ኣነጺሩ።

ምስኡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝነበሩ ክልተ ኤርትራውያን’ውን ምጽራይ ይካየደሎም እኳ እንተነበረ፣ ጉዳዮም ኣበይ በጺሑ ኣይተጠቕሰን።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0