ኢትዮጵያን ጁቡቲን፣ ኣብ ዶብ ዝንቀሳቐሱ ነጋዶ፣ ካብ ሓደ ሽሕ ዶላር ከይሓልፉ ክድረቱ’ዮም

Radio Erena: 04 July 2023

ኣብ ከባቢ ዶባት ኢትዮጵያን ጂቡቲን፣ ካብን ናብን ዝንቀሳቐሱ ተራ ነጋዶ፣ ኣብ ወርሒ ካብ ሓደ ሽሕ ዶላር ንላዕሊ ዝግመት ንግዳዊ ልውውጢ ከየካይዱ ዝእግድ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተሓቢሩ።

ዘ ሪፖርተር ንሚኒስትሪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል ተዳሉ ብዘሎ ኣዋጅ መሰረት፣ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዝንቀሳቐሱ ነጋዶ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ውርሒ ከካይድዎ ዝኽእሉ ንግዳዊ ልውውጥ፣ ኣብ ሓደ ሽሕ ዶላር ወይ ድማ ብሸርፊ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ማዕሪኡ ኣብ ዝኾነ መጠን ገንዘብ ክድረት’ዩ።

ኣብ ዶባት ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ካብን ናብን ዝንቀሳቐሱ ነጋዶ፣ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ እንተበዚሑ ድማ ክልተ ግዜ፣ ብምምልላስ፣ ነቲ ኣብ ሓደ ሽሕ ዶላር ዝተደረተ ንግዳዊ ልውውጢ ከካይዱ ከምዝኽእሉ’ዩ እቲ ተዳልዩ ዘሎ ኣዋጅ ዘነጽር።

ነጋዶ ክልቲኤን ሃገራት ካብን ናብን ኣብ ዝመላለስሉ ድማ፣ ማዕረቲ ሒዞሞ ዝወጹ ዝግመት ነገራት ሒዞም ከምዝምለሱ ንምርግጋጽ፣ ብክፍሊ ጉምሩክ ተመዝጊቦም ክሓልፉ ክግደዱ’ዮም።

ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ዶብ ዝርከቡ ነጋዶ ዝንቀሳቐስሉ መስመራት ሸሞንተ ወይ ትሽዓተ ክኸውን’የን ወሲነን።

ኢትዮጵያን ጂቡቲን፣ ኣብ 2015’ውን፣ ዶብ ሰገር ተመሳሳሊ ናይ ንግዲ ፕርቶኮል ከቲመን ምንባረን ይዝከር።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0