ፖሊስ ጀርመን፣ ኣብ ጊሰን ክልዓለ ንዝኽእል ባእስን ዕግርግርን ኤርትራውያን ንምግታእ ምድላዋቱ ከምዘጻፈፈ ኣፍሊጡ

Radio Erena: Wednesday, 05 July 2023

ፖሊስ ጀርመን፣ ኣብ ፌስትቫል ጊሰን፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ክልዓል ንዝኽእል ባእስን ዕግርግርን ንምግታእ ምድላዋቱ ከምዘጻፈፈ ኣፍሊጡ።

መደበር ፖሊስ ከተማ ጊሰን፣ ብ03 ሓምለ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እቲ ካብ 7 ክሳብ 9 ሓምለ ኣብታ ከተማ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ፌስቲቫል ኤርትራውያን፣ ብሰንኪ ዘይውሑስ ጸጥታ ከይካየድ ምምሕዳር እታ ከተማ እኳ እንተሰረዞ፣ ድሕሪ ዘሎ ምዕባለታት ግና ንጹር ከምዘይኮነ ኣገንዚቡ።

እቲ ፌስቲቫል ከምዝተሰረዘ ይተሓበር ድኣ’ምበር፣ ንዓርቢ 7ን ቀዳም 8ን ሓምለ፣ ክልተ ናይ ኤርትራውያን ሰለማዊ ሰልፍታት ንምክያድ ተመዝጊቡ ከምዘሎ እቲ መደበር ፖሊስ ኣረጋጊጹ።

እዚ ተራ ኣኼባ ኣይኮነን፣ ስለዚ ወደብቲ ናይቲ መደባት፣ ውሕስነት ጸጥታ ብዝሕሉ መንገዲ ከካይድዎ ኣዛዚ ፖሊስ መደብ ከተማ ጊሰን በርናርድ ፖል ተላብዩ።

ነቲ ፌስቲቫል ዝወደቡ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ጀርመን፣ ምምሕዳር ከትማ ጊሰን ንዘሕለፎ ናይ ምስራዝ ውሳኔ ብምቕዋም፣ እቲ ጉዳይ ዳግማይ ክርአ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘቕረብዎ ክስማዕ ቀንዩ’ዩ።

እንተኾነ፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ይግባይ መስርሕ፣ ብዛዕባ ብቤት ፍርዲ ዝተዋህቦም ውሳኔ ይኹን፣ ከም መተካእታ ዘዳልውዎ መደባት ኣይተፈልጠን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0