ጀርመን፣ ንሓምላይ ጸዓት ኣፍሪቃ ዝውዕል ናይ 4 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ መዲባ

Radio Erena: Thursday, 23 November 2023

መንግስቲ ጀርመን፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝካየድ ናይ ሓምላይ ጸዓት ወፍሪ ዝውዕል 4 ቢልዮን ዶላር ባጅተ ምምዳባ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር፣ ነቲ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ግብሪ ክውዕል ወጢናቶ ዘላ ገዚፍ ወፍሪ ዝመደበት ጎኒ ጎኒ’ቲ እባ በርሊን ዝተኻየደ ዋዕላ ጉጅለ 20 ሃብታማት ሃገራት’ዩ።

ጎኒ ጎኒ’ቲ ዋዕላ፣ ቻንስለር ጀርመን፣ ኦላፍ ሾልዝን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሙሳ ፋኪን፣ ኣብ ዝተራኸብሉ ኣጋጣሚ ድማ’ዮም ኣብ ንምልዓት ኣፍሪቃ ዘተኮረ መደብ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ኣፍሪቃ፣ ብልምዓት ድሕሪ ካብ ዝተረፈትሉ ኣውራ ምኽንያት ጸዓት ምዃኑ ዘተዘኻኸሩ ተንተንቲ፣ ጀርመን ወጢናቶ ዘላ ወፍሪ ተተካኢት ጸዓት ኣብዛ ኣህጉር፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን፣ ሓደ ወገን ጥራይ ክረብሓሉ ንዝጸንሐ ውዕላት ዘከሓሕስ ክኽውን ዘለዎም ተሰፋ ገሊጾም።

ዝተፈላለየ ሃገራትን ውድባትን፣ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዋዕላታት ዝውድባ እኳ እንተኾና፣ እዛ ኣህጉር ካብ ዘላቶ ድሕረትን ድኽነትን ንኽትናገፍ ዝሕግዝ ከምዘይኮነ’ዩ ዝንቀፍ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ጥራይ፣ ከም ኣፍሪቃን ኣመሪካን፣ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን፣ ኣፍሪቃን ቻይናን፣ ኣፍሪቃን ሩስያን፣ ኣፍሪቃን ስዑዲ ዓረብን ከምኡው’ን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ዋዕላታት ተኻይዶ’ዮም።

ይኹን’ምበር ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቁጠባ፣ ንግዲ፣ እቶት ምህርቲን ጸዓትን ዝኣመሰለ ጽላታት፣ ካብ ዝነበርኦ ናብ ዝበኣሰ ክወድቓ’የን ዝርኣያ ዘለዋ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0