ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኦነግ ሸኔን ኣብ ታንዛንያን ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ብዘይ ስምምዕ ተበቲኑ

Radio Erena: Thursday, 23 November 2023

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ብኦነግ ሸኔ ዝፍለጥ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን፣ ንኻልኣይ እዋኑ፣ ኣብ ታንዛንያ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ብዘይ ዝኾነ ስምምዕ ከምዝተበተነ ተገሊጹ።

ኣቐዲሙ ኣብ ደሴት ዛንዚባር ናይ ታንዛንያን ዝተጀመረ ዝርርብ’ውን ብዘይፍረ ከምዝተበተነ ዘዘኻኸረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ ክካየድ ዝቐነየ ርክብ ክልቲኦም ወገናት’ውን ብተመሳሳሊ ከምዝፈሸለ’ዩ ብ21 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ።

ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ኦነግ ሸኔን ናብ ስምምዕ ከምብጽሖም ዘይክኣለ ነጥብታት ብዝርዝር እኳ እንተዘይተመልከተ፣ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ንልዕሊ 60 ዓመታት ዝጸንሑ ሕቶታትን ዝተአለሱን ጉዳያት ብምልዓለ ነቲ ዝርርብ ከምዝዓንቐፎ’ዩ ብወገን መንግስቲ ተጠቒሱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ መንግስቲ ኣብ መግለጺኡ፣ ነቲ ሽበራዊ ዝበሎ ኦነግ ሸኔ፣ ተሓዚሉ ናብ ስልጣን ከምጽእ ዝደሊ ሓይሊ’ዩ ክብል’ውን ነቒፍዎ።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኦሮሞ ይቓለስ ኣለኹ ብምባል ብረት ካብ ዘልዕል 10ታት ዓመታት ኣሕሊፉ’ዩ።

እንተኾነ፣ ኣብ 2018 ምስ ምምጻእ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ስልጣን፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ዕጡቓት ቃልሶም ብፖለቲካዊ መንገዲ ንምቕጻል ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ይዝከር።

ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፣ እቲ ግንባር ኣብ ክልተ ተመቓቒሉ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊን ኣብ ወጻኢ ብዝርከቡ ብዲፕሎማሲን ፖለቲካውን ዝድግፍዎ ተወላዶ ኦሮሞን ተሰንዩ፣ ብስም ኦነግ ሸኔ ተወዲቡ፣ ብረታዊ ቃልሱ ኣንጻር መንግስቲ ክቕጽል ወሲኑ።

እቲ ግንባር ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ድማ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ክልል ኦሮሞ፣ ብፍላይ ኣብ ወለጋን ሰሜን ሸዋን፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ከካይድን ቦታታት ክቖጽጸርን ጸኒሑ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ኦነግ ሸኔን ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት ድማ ኣስሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ዓድታቶም ከምዝተመዛበሉ በብእዋኑ ዝወጽእ ዝነበረ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር የመልክት።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0