ሱዳን፣ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ኣዋርሕ 80% ትካላት ጥዕና ተዓጽየን፣ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ሱዳን ክመላለሱ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ይኸዱ

Radio Erena: Friday, 24 November 2023

ዝለዓለ ሕክምና ንምርካብ፣ ናብ ሱዳን ክመላለሱ ዝጸንሑ ሓለፍቲ መንግስቲ ዝርከብዎም ኤርትራውያን ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፣ ካብ ኤርትራ ዝሓሸ ኣገልግሎት ጥዕና ንምርካብ ናብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ይገሹ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ቅድሚ ምጅማሩ፣ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ጸብጻቡ ብደረጃ ዓለም 55 ሃገራት፣ ዋሕዲ ሰብ ሞያ ጥዕና ዘለወን ምዃነን ክጠቅስ እንከሎ፣ እተን 37 ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃነን ኣፍሊጡ ኔሩ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ሱዳን ኣብዚ ምድብ ኣይኣተወትን ኔራ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ፣ ሕጽረት ሰብ ሞያ ጥዕናን ቀረብን እናበኣሰ ይኸይድ ከም ዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ስራሕ ዝጸንሓ ትካላት ጥዕና ሱዳን፣ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ብብዝሒ ተገልገልቲ፣ ውጉኣትን ቅሱላትን የዕለቕሊቐን ከም ዝጸንሓ ዝፍለጥ’ዩ።

ዞባዊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ኣሕመድ ኣልማንድሃሪ ከምዝበሎ፣ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፣ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ሱዳን 60 መጥቃዕትታት ከም ዝተኻየደን፣ብሰንኩ 34 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 38 ድማ ቆሲሎም።

ንሱ ብተወሳኺ ለበዳ ሕማም ሸሮኽን ኮሌራን እናስፋሕፈሐ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ኣሰካፊ ከም ዝገብሮ ገሊጹ።

ዶክተር ኣልማንድሃሪ፣ ነዚ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ሕጽረት ኣገልግሎት ጥዕና ንምፍታሕ፣ ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር ተንቀሳቐስቲ ክልኒካት ኣብ ምጥያስ ከምኡ ውን ህጹጽ ዝኾነ መድሃኒታት ብምዕዳል ይነጥፍ ከም ዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ብዙሓት ሆስፒታላት፣ ኣብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ስለ ዝርከባ፣ ገሊኣተን ሕጽረት ሰብ ሞያ ጥዕና ክህልወን እንከሎ፣ ኣብ ገለ ድማ ዘድሊ ቀረባት ንምብጽጻሕ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።

ኣስታት 700 ሽሕ ህጻናት ብሕዱር ሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ከምዘለዉን፣ ካልኦት 100 ሽሕ ህጻናት ድማ ብኻልእ ጸገማት ዝተጋደደ ተመሳሳሊ ኩነታት ዝሳቐዩን፣ ህይወቶም ንምድሓን ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ከምዘድልዮምን ውድብ ጥዕና ዓለም የዘኻኽር።

ሓካይም ብዘይዶብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዝነበሮ መድሃኒትን ንዋትን ከም ዝወድአን፡ እቲ ጉጅለ ድሕሪ ደጊም መጥባሕቲ ክገብር ከምዘይክእልን ሓቢሩ ኔሩ።

ዕንወትን ቅልውላውን ሱዳን ኣብ ኩናት ተጸሚዶም ዘለዉ ዘይሓላፍነታውያን ጀነራላት ዘኸተልዎ’ኳ እንተኾነ ማሕበረሰ ዓለም ክከላኸሎ ዘይምኽኣሉ ግን ውድቀት ሰብኣውነት ምኳኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይዛረቡ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0