ዶብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን፣ ዓቀብቲ ሰላም ዝርከብዎም ብውሕዱ 54 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: Thursday, 01 February 2024

ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዘዋስን ዞባ ኣብየይ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ዓቀብቲ ሰላም ዝርከብዎም ብውሕዱ 54 ሰባት ከምዝተቐትሉ መርበባት ዜና ገሊጸን።

ኣብ ዝሓለፍ ሰሙን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ 60 ሰባትውን ብከቢድ ቆሲሎም ከምዘለዉዩ ተመልኪቱ።

ብውሕዱ ክልተ ኣባላቱ ከምዝተቐትልዎን ኣርባዕተ ድማ ከምዝቖሰሉን ኣብቲ ዞባ ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ጠበናጁ፣ ጎዞሞን ካልእ ነገራትን ዝዓጠቑ መንእሰያትን ዕጡቓት ተቓወምቲ ሚሊሻታትን ዝፈጸምዎ ምዃኑዩ ተጠቒሱ።

እቲ መበገሲኡ ንጹር ዘይኮነ መጥቃዕቲ፣ ብዝያዳ ንሲቪልን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራትን ዘነጻጸረ ምንባሩ ሰበ ስልጣን እቲ ዞባ ሓቢሮም።

ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ዞባ ኣብየይ፣ ብዝይካቲ ምስ መንግስታት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘለዎ ምስሕሓብ፣ ናይ ቀቢላን ካልእ ግጭታትንውን ብብዝሒ ከምዝካየደሉ በብእዋኑ ይግለጽ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0