ሊብያ፣- ልዕሊ 700 ሽሕ ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ንምምልስ ሓገዝ ኢጣልያ ትሓትት

Radio Erena: Thursday, 01 February 2024

ኣብ ሊብያ፣ ኤርትራ ካብ እትርከበን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍርቃ ዝወሓዙ፣ ኣስታት 700 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከምዘለዉ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ኣብ ዘቕርቦ ዘሎ ጻውዒት፣ ጉዳይ እቶም ስደተኛታት መፍትሒ ክርከበሉ ናብ ኢጣልያን ሃገራት ኤውሮጳን ጻውዒት ከቕርብ ጸኒሑ።

ሊብያ፣ ነቶም ስደተኛታት፣ ኣብ መሬታ ከተእንግዶም፣ ናብ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጵ ካብ ምስጋር ክትዓግቶም ይኹን ነናብ ዓዶም ክምትመልሶም ዓቕሚ ከምዘይብላያ ትገልጽ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ምስ ኢጣልያ ብዝበጽሓቶ ምስጢራዊ ስምምዕ፣ ሊብያ ንነቶም ካብ ገማግም ባሕራ ዝብገሱ ስደተኛታት ክትዓግትን ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ንዝመለሱ ድማ ተቐቢላ ክትዳጉንንያ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋንዚ ድማ ሊብያ፣ ነቶም ኣብታ ሃገር ተኣኻኺቦም ኣለዉ ዝበለቶም ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ንምምላስያ ሓገዝ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ትሓትት ዘላ።

ኣብ ጉዳይ ጸዓትን ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ክልተ መዓልታት ዋዕላ ዘእንገድት ኢጣልያ ብወገና፣ እዚ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ምትእኽኻብ ከምዘሻቕላን፣ ነናብ ዓዶም ኣብ ምምላስ ድማ ክትተሓጋገዝ ከምእትኽእልያ ኣተንቢሃ።

ኣንጻር ወጻእተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ብዘለዎ የማናዊ ሰልፊ ዝምራሕ መንግስቲ ኢጣልያ፣ ነዝ ንምትግባር፣ ምስተን ቀንዲ ኣፍረይቲ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝኾና፣ ከም ኤርትራ፣ ኢትዮጵያንን ሶማልን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ምዝታይ ትርከብ።

ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ኢጣልያን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተሳተፈ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂውን ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ፣ ጆርጅያ ሜሎኒ ኣብ ዝተራኸበሉ ኣጋጣሚ፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከምዝዘተዩ ምንጭታት ዜና ኢጣልያ የቓልሓ።

ስእሊ፦ ብሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ዝተታሕዙ ስደተኛታት ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0