ኣብ ቁጠባዊ ቅልውላው እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 150 ሽሕ ተሽከርከርቲ ካብ ድጎማ ነዳዲ ኣጊዳ

Radio Erena: Thursday, 01 February 2024

ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፍን ቅልውላው ቁጠባ ብከቢድ ሃስዩዋ ዘሎ ኢትዮጵያ፣ ን157 ሽሕ ተሽከርከርቲ ካብ ድጎማ ነዳዲ ከምዝኣገደት ንሚኒስትሪ መጓዓዝያ እታ ሃገር ብምጥቃስ፣ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር፣ ድጎማ ነዳዲ ንምርካብ ጠለብ ካብ ዘቕረባ 242 ሽሕ ተሽከርከርቲ፣ ነተን 85 ሽሕ ክፍቀደለን እንከሎ፣ እተን ዝተረፋ ዝበዝሓ ግና ተነጺገን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንተሽከርከርቲ ድጎማ ነዳዲ ጥራይ ኣስታት 109 ቢልዮን ብር ወጻኢ ክግበር ምጽንሑዪ እቲ ሚኒስትሪ ዘመልክት።

ነዳዲ ሓደ ካብቲ ዝበዝሐ ክፋል ናይ ወጻኢ ባጤራ እታ ሃገር ዝጠለብ እታው ዩ።

ከቢድ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣጋጢምዎ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ባንክ ዓለም፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ካልኦት መሻርኽትን ፊናንስያዊ ሓገዝ ኣብ ምሕታት ይርከብ።

ስእሊ፦ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0