ዳርፉር፣ ህዝቢ ጠበናጁ ክዓጥቕ ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ፣ ሚኒ ሚናዊ ተማሕጺኑ

Radio Erena: 30 May 2023

ኣብ ሱዳን፣ ከባቢ ካርቱም ዝተወልዐ ኵናት ናብ ካልእ ዞባታት እታ ሃገር ብዝልዓለ ከይግንፍል ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ህዝቢ ዳርፉር ጠበናጁ ክዓጥቕ፣ ኣማሓዳሪ ሚኒ ሚናዊ ተማሕጺኑ።

መራሒ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነትን ኣማሓዳሪ ዳርፉርን፣ ሚኒ ሚናዊ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ጸጥታ እቲ ዞባ ኣሰካፊ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ህዝቢ ንብረቱ ክሕሉ ጠበናጁ ክዓጥቕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ፣ ሓውሲ ሚሊሻን ተወርዋሪ እዚን ዝኾነ ፈጣን ሓይሊን፣ ንሸውዓተ መዓልታት ዝጸንሐ ምቑራጽ ቶዅሲ ኣዊጆም እኳ እንተለዉ፣ እቲ ውዕል ድሕሪ ጽባሕ ክፈርስ ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ሚሚ ሚናዊ ህዝቢ ዳርፉር ብረት ክዓጥቕ ዝላቦ ዘሎ።

እቲ ኵናት ኣብ 15 ሚያዝያ ምስ ተወልዐ፣ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ዳርፉር፣ ስምረት ብምፍጣር፣ ዞባኦም ክሕልዉ ከምዝተሰማምዑ ‘ዩ ተገሊጹ።

እንተኾነ፣ እቲ ኵናት ብልዑል ናህሪ ገንፊሉ ናብቲ ዞባ ክዓርግ እንተኽኢሉ፣ ካብ 2003 ኣትሒዙ ብኵናት ዝሕመስ ዝነበረ ዳርፉር፣ ካብቲ ዝነበሮ ናብ ዝበኣሰ ክሽመም ተኽእሎ ኣሎ።

ድሕሪ 30 ዓመታት ካብ ስልጣን ዝተኣልየ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል በሺር፣ ነቲ ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝተኸስተ ኩነታት ንምቑጽጻር’ዩ፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጎሎ ዝምራሕ ናይቲ እዋን’ቲ ጃንጃዊድ ናይ እዚ እዋን ድማ ፈጣን ሓይሊ ምቛሙ ይዝከር።

እቲ ሓይሊ፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ፍጺምዎ ብዝተባህለ ገበናት ኵናት፣ ጀነራል ሐሚቲ ዝርከቦም ኣዘዝቱ፣ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ይህደኑ ምንባሮም’ውን ኣይርሳዕን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0