ናይጀርያ፣ ብሰንኪ ክሳራ ቅድሚ 10 ዓመታት ኣገልግሎት ዘቛረጸ መንገዲ ኣየር ዳግም ክትጅምሮ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 30 May 2023

ናይጀርያ፣ ብሰንኪ ክሳራ ቅድሚ 10 ዓመታት ኣገልግሎት ዘቛረጸ መንገዲ ኣየር፣ ዳግም ንምጅማር ትዳሎ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር፣ ነቲ መንገዲ ኣየር ንምጅማር፣ ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ብርኪ ውዕል ኣትያ ከምዘላ መርበባት ዜና ሓቢራ።

ኣብ 2018’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንገዲ ኣየር ናይጀርያ ናይ 49% ብርኪብምውናን፣ ዳግም ናብ በረራ ንምምላስ ስምምዕ ተኸቲሙ እኳ እንተነበረ፣ ግብራዊ ክኸውን ሒደት ኣዋርሕ ምስተረፎ እቲ መደብ ደው ከምዝበለ’ዩ ተሓቢሩ።

ብደረጃ ዓለም ፣ ዛጊት መንገዲ ኣየር ከተቝም ዘይምኽኣላ፣ ዘይብቑዕ ምሕደራን ብልሽውናን እቶም ቀንዲ ጠንቅታት ምዃኖም’ዩ ዝጥቐስ።

ኣካታዒ ብዝኾነ ምርጫ ተዓዊቱ፣ ብ27 ግንቦት ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ ሓድሽ ፕረዚደንት እታ ሃገር፣ ቦላ ቲኒቡ፣ ቁጠባ እታ ሃገር ከበራብር ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ።

70% ናይቲ ኣስታት 200 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ናይጀርያ፣ ትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድምኦም እኳ እንተኾኑ፣ ዜጋታት ብስእነት ሽቅለትን ድኽነትን ከምዝሳቐዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ወዲ 71 ዓመት ሓድሽ ፕረዚደንት ቦላ ቲኒቡ፣ ነዚ ብድሆታት እዚ ብምትዕርራይ፣ ዜጋታት ናይጀርያ ከይተሰድዱ፣ ኣብ ሃገሮም ዝሓሸ መነባብሮ ንኽህልዎም፣ ዕድላት ስራሕ ክፈጥር ትጽቢት ይግበረሉ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0