ኡጋንዳ፣ ኣብ ሶማል ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ወትሃደራታ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናብታ ሃገር ልኢኻ

Radio Erena: 30 May 2023

ኣልሸባብ፣ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ሓያል ወትሃደራት ኡጋንዳ ከምዝቐተለ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣረጋጊጹ።

ዕጡቓት ኣልሸባብ፣ ኣብ ዞባ ታሕታይ ሸቤሌ፣ ሰራዊት ኡጋንዳ ዓስኪርሉ ዝርከብ፣ ቡለ ማረ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ብ26 ግንቦት ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ክሳራታት ድሕሪ ምውራዱ፣ ነቲ ኩነታት ንምግምጋም፣ ብኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ፣ ልዩተናት ጀነራል፣ ካያንጃ ሙሃጋ ዝምራሕ፣ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኡጋንዳ ናብ ሞቛድሾ ኣትዩ ኣሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ነቲ ብልዕሊ 200 ወትሃደራት ኡጋንዳ ዝሕሎ ወትሃደራዊ መዓስከር ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ 800 ዕጡቓት ኣልሸባበ’ዮም ኣጥቂዖሞ።

10ታት ወትሃደራት ኡጋንዳ ከምዝተቐቱን ሓያሎ ወትሃደራዊ ንብረት ድማ ከምዝዓነወን ክረጋገጽ እኳ እንተኸኣለ፣ እቲ ብዝሒ ብንጹር ኣይተጠቕሰን።

ብዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመሪካ ብእትርከበን ሃገራትን ዝድገፍ ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ፣ ንኣልሸባብ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ክጸራርጎ ክኢሉ’ዩ።

እንተኾነ፣ ኣልሸባብ፣ ኣወዳድባን ስልቲን ብምቕያር፣ ኣብ ልዕሊ ዝመረጾም ዒላማታት መጥቃዕታቱ ካብ ምክያድ ዛጊት ክግታእ ኣይከኣለን።

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት፣ ኣሽሓት ወትሃደራት እተሰልጥን ዘላ ሶማል፣ ኣብ 2024 ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ካብ 2006 ኣትሒዙ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ፣ ኣስታት 30 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመጽእ ዓመት ተልእኾኡ ዛዚሙ ክወጽእ ምዃኑ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ሶማል ነቲ ብዝሒ’ቲ ንምትካእ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ግብጺን ካልኦት ሃገራትን ተመስሳሊ ብዝሒ ወትሃደራት ኣብ ምስልጣን ትርከብ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0