ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ፈላመይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር

RADIO ERENA – Wednesday, 17 April 2024

ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፈላመይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ድሕሪ ምሻማ ተጣበቕቲ ሰብ ኣዊ መሰላት ንፕረዚደንት እታ ሃገር ብዝወሰዶ እወታዊ ስጉምቲ ንኢዶም።

ነቲ ስጉምቲ ናብ ጾታዊ ማዕርነት ዝወስድ ዓቢ ስጉምቲ ምዃኑ ብምንኣድ፣ ኣብ ጸጥታውን ማሕበራውን ኩነታት እታ ሃገር ምምሕያሽ ክግበር ትጽቢታት ከም ዘሎ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ፕረዚደንት ፌሊክስ ትሺሰከዲ ንጁዲት ሱሚንዋ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ምሻሙ፣ ንብዙሓት ኮንጎውያን ከም ዘገረሞም ዝተፈላለዩ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

እታ ሃገር ኣብ 1960 ካብ ቤልጅዩም ናጽነት ካብ እትረክብ ንደሓር ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኮይና ኣይትፈልጥን።

ጁዲት ሱሚንዋ ኣብ 2023 ሚኒስተር ውጥን ኮይና ቅድሚ ምምዛዛ ኣብ ጽላት ባንክን ሕቡራት ሃገራትን ዝሰርሐት ክኢላ ስነ-ቑጠባ እያ።

ኣብ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ድማ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ኣቶኪራ ክትሰርሕ ቃል ኣትያ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0