ኢትዮጵያ ናይ 610 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ

RADIO ERENA – Wednesday, 17 April 2024

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምምካት ልዕሊ 600 ሚልዮን ዶላር ውሕስነት ኣረጋጊጹ።

ሃገራት ነቲ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮ ልዕሊ 21 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝውዕል ናይ 610 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከበርክታ ትማሊ ሰሉስ 16 ሚያዝያ ቃል ኣትየን።

ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ኢትዮጵያ ንዝቕጽሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ንምርግጋእ ሓደ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ንምእካብ ጻዕሪ ኣካይዱ ነይሩ።

ተሓጋጋዚት ዋና ጸሓፊት ንሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ጆይስ ምሱያ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “እዚ መጀመርታ ጥራይ ምዃኑ ተረዲእና፡ ኣብ ምሉእ ዓመት ቀጻኢ ደገፍ ክህሉ ተስፋ ንገብር” ኢላ።

እዚ ናይ 610 ሚልዮን ደገፍ ካብ ዒስራ ሃገራት ዝተዋህለለ ኾይኑ ኣሜሪካ 154 ሚልዮን፣ ብሪጣንያ 125 ሚልዮን ዶላር፣ ሕብረት ኤውሮጳ ድማ 139 ሚልዮን ዶላር ክልግሱ ተመባጺዖም።

ብውሽጣዊ ግጭታት ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ህዝባ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ሽግራት ከም ዝርከብ ይፍለጥ።

ንኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝተመዛበሉ ሰባት ምሕጋዝ ሓዊስካ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ዓመት ጥራይ 3.24 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ ኣፍሊጡ ኔሩ።

ኣብዚ እዋን ኣስታት 11 ሚልዮን ሰባት ውሕስነት መግቢ ከምዘይብሎም ይግመት።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ባንክ ዓለም ንኢትዮጵያ ኣብ ቀረብ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪሲቲ፣ ማይን መግብታት ኣብ ምብጽጻሕ ዘቀላጥፉ ምህናጽ ጽርግያታት ኣብ ገጠራትን ዘጠቓልሉ ንጥፈታት ዝውዕል ናይ 1.7 ቢልዮን ልቓሕ ከምዝሃባ ይዝከር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0