ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት

Radio Erena: Wednesday 07 , Feburary 2024

ትማሊ ዓርቢ ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ልዕሊ ሄሊኮፕተር ሕቡራት ሃገራት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዓቃብ ሰላም ቆሲሎም።

እታ ካብ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ዝኾነት ሞኑስኮ ዝመጸት ሄሊኮፕተር፡ ኣብ ግዝኣት ሰሜን ኪቩ ኣብ ዝርከብ ግዝኣት ማሲሲ ኣብ ዝርከብ ዞባ ካሩባ፡ ብኣባላት ዕጡቕ ጉጅለ ኤም23 ተሃሪማ።

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ኣውራጃ ጎማ ብሰላም ክትዓልብ ብምኽኣላ ድማ፣ ኣባላታ ሕክምናዊ ረድኤት ክግበረሎም ተኻኢሉ።

ሓላፊ ሞኑስኮ ቢንቱ ኬይታ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ብትሪ ክኹንኖ እንከሎ፣ ፣መንግስቲ ኮንጎ ምስ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ነቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ከምዝሰርሕ ገሊጹ።

ሓላፊ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ፡ ናይ ቀደም ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከምዘሕዘኖ ገሊጹ።

ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከቡ ብሩዋንዳ ዝድገፉ ዕጡቕ ጉጅለ M23 ካብ መወዳእታ 2022 ጀሚሮም ዘይሕጋዊ ቅትለት ዓመጽን ካልእ ርኡይ ገበናት ኲናትን ከምዝፈጸሙ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ መራሕቲ ኤም23፣ ከምኡ’ውን ነቲ ግህሰት ዝፍጽም ዕጡቕ ጉጅለ ዝሕግዙ ዘለዉ ሰበስልጣን ሩዋንዳ፣ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዝጸንሐ ዝርዝር እገዳታት ክውስኽ ኣዘኻኺሩ።

ተመራማሪት ኣፍሪቃ ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ክሌመንቲን ደ ሞንትጆየ ክልቲአን ኮንጎን ሩዋንዳን፣ ንኣዘዝቲ ኤም23 ይኹን ንዕኦም ዝድግፉ ሰበስልጣን ርዋንዳ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክሓትኦም ሓላፍነት ከም ዘለወን ኣዘኻኺራ።

ናዕቢ M23 ኣብ ሰሜን ኪቩ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ (DRC) ኣብ መንጎ ምንቅስቓስ 23 መጋቢትን ሓይልታት መንግስትን ኣብ መንጎ 4 ሚያዝያ 2012ን 7 ሕዳር 2013ን ዘጋጠመ ዕጥቃዊ ግጭት ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ ዓሰርተ ሓደ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ስምምዕ ሰላም ምስተገብረ እዩ ተዛዚሙ።

ወተሃደራት M23 ድማ ኣብ ኡጋንዳ ኢዶም ሂቦም።

እቲ ናዕቢ ኣካል ናይቲ ኣብ 2003 ካልኣይ ኲናት ኮንጎ ብወግዒ ምስተዛዘመ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዝነበረ ቀጻሊ ውግእ እዩ።

ኣብ መወዳእታ 2021 “ጀነራል” ሱልታኒ ማከንጋን ናይM23 ምስ 100 ወተሃደራቱ ብምዃን ንዶባዊት ከተማ ቡናጋና ድሕሪ ምጥቃዖም ዳግማይ ተላዒሉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0