ኣብ ኤርትራ፣ ብኣህጉራዊ ደረጃ ዝተመዝገባ 15 ናይ ንግዲ መራኽብ ከምእትውንን ተገሊጹ

Radio Erena: Thursday, 08 February 2024

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ምግዕዓዝ ደረቕን ፈሳስን ነገራት ዘመላልሳ፣ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝዋፈራን ኣብ ምምራሕን ምዕሻግን ናብ ወደብ ዝጽግዓን ዘገልግላ፣ ብኣህጉራዊ ደረጃ ዝተመዝገባ 15 መራኽብ ከምዝነበርኣ፣ ሓደ ኣባል መጓዓዝያ ባሕሪ ነበር ንራድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ሂምቦል፣ እምባሶይራ፣ ሰላም፣ ዮሃናን ኣንጀሎስን ደንደንን ኣብ ምግዕዓዝ ደረቕ ነገራት ዝነጥፋ ሽዱሽተ መራኽብ ምንባረን ዝዘከረ እቲ ስሙ ክንዕቕበሉ ዝጠቐሰ ኣባል መጓዓዝያ ባሕሪ ነበር፣ ደንደን ኣብ 2007ብዘጋጠማ ናይ ባሕሪ ሓደጋ ክትጥሕል እንከላ፣ ስማ ዘይዘከራ ካልእ መርከብውን ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት፣ ታንክታትን ካልእ ኣጽዋርን ጽዒና እናተጓዓዘት እንከላ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ከምዝጠሓለት ጠቒሱ።

ቤሉልን መረብን ዝተባህላ መራኽብ ድማ ከም ነዳዲን ጋዝን ዝኣመሰለ ፈሳሲ ነገራት ኣብ ምምልላስ ዝነጥፋየን።

ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ፣ ኢብራሂም ሱልጣን፣ ወልደኣብ ወልደማርያምን ዓብደልቃድር ከቢረን ዝተሰምያ ኣርባዕተ መራኽብውን ኣብ ምግፋፍ ዓሳ፣ ብኣህጉር ደረጃ ዝተመዝገባ፣ ዋንነተን ናይ ኤርትራ ዝኾና መራኽብየን።

ብዘይካዚ፣ ናብ ወደብ ኣብ ምጽጋዕ ይኹን ኣብ ምፍናው፣ ኣብ ምምራሕ ዓበይቲ መራኽብ ዘገልግላ፣ ብታግዝፍለጣ፣ ሳዋ፣ ናቕፋ፣ ደጎሊ፣ ዓወትን ኣዱሊስን ዝተሰምያ፣ ብኣህጉር ደረጃ ዝተመዝገባ ጀላቡ ውን ኣለዋ።

መብዛሕተን እተን ኣብ ምግዕዓዝ ደረቕን ፈሳሲን ነገራት ዘመላልሳ መራኽብ ኤርትራ፣ ኣብ 1970ታት ዝተሰርሓን፣ ምስ ናይ ኤርትራ ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ንኣስታት 50 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሓንየን።

ካብተን ኤርትራ እትውንነን ናይ ንግዲ መራኽብ ብዕብየታ ደንደን ኣብ ቀዳማይ ደረጃያ ትስራዕ ኔራ። ንውሓታ 127 ሜትሮ ስፍሓታ ድማ 18 ሜትሮ ይበጽሕ ኔሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣገልግሎት ካብ ዘለዋ ድማ፣ ሂምቦልን እምባ ሶይራን ተመሳሳሊ ግዝፊ ክህልወን እንከሎ፣ ቁመተን 9796ን ስፍሓተን ድማ 1516 ሜትሮዩ።

ኤርትራ፣ ብዘይካዘን ኣብ ንግዲ ዝነጥፋ፣ ብኣህጉር ደረጃ ዝተመዝገባ15 መራኽብ፣ ሓይሊ ባሕራውን ልዕሊ 20 ዓበይቲን ንኣሽቱን ጀላቡ ኵናት ከምዝውንንዩ ዝግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0