“ንሰላም ሶማልያ ክንዲ ኢትዮጵያ ዋጋ ዝኸፈለት ሃገር የላን” ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

Radio Erena: Wednesday 07 , Feburary 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ብጉዳይ ሶማል ኣመልኪቱ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ዘስዓቦ ስክፍታታት ነጺግዎ።

ኢትዮጵያ ምስ ጎረቤታ ሰላም ጥራይ ከምትደሊ ብምግላጽ ነቲ ምስ ሶማልያ ኲናት ከይጅመር ዘሎ ስግኣታት ብፍጹም ከምዘይከውን ተዛሪቡ።

ብሓደ ጥሪ 2024 ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሳ ቢሂ ዓብዲን፣ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምጥቃም ውዕል ተፈራሪሞም።

ድሕሪ እቲ ውዕል ምኽታሙ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ፣ ሶማሊላንድ ኣካል ሶማልያ ምዃና ብምምልካት፣ ኢትዮጵያ ወደብ ንኸይትሰርሕ ምስታ ሃገር ክሳብ ናብ ኩናት ክኣቱ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ።

ኣብይ ትማሊ ሰሉስ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መደረ፣ ምስ ሶማል ናብ ኲናት ክኣቱ “ሓሳብ የብለይን” ክብል እንከሎ “ሰላም ሶማልያ ንምርግጋጽ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ዓቃብ ሰላም ኮይኖም ኣብ ሶማል ሞይቶም`ዮም” ድሕሪ ምባል “ሰላም ሶማል ሰላም ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ኣብ ሶማል ሞይትና ኢና። ልምዓት ሶማል ልምዓት ሃገርና’ዩ። ኣሕዋት ኢና ኢልና ንኣምን።”ክብል ነቲ ኣብ ምንጎ እተን ሃገራት ግጭት ከይክሰት ዝብል ስግኣት ሓቅነት ከምዘይብሉ ኣብሪሁ።

“ንሰላም ሶማልያ ክንዲ ኢትዮጵያ ዝኸፈለት ሃገር የላን” ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ሰላም ሶማልያ ሰላም ኢትዮጵያ ስለዝኾነ’ዩ” ክብል ገሊጹ።

ኣብ 1991 ንገዛእ ርእሳ ከም ሉኣላዊት ሃገር ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ዝኾነት ሃገር ኣፍልጦ ከምዘይትህባ ይፍለጥ።

ኢትዬጵያ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ኣምሳያኡ ድማ ንሶማሊላንድ ከም ሉኣላዊት ሃገር ኣፍልጦ ንምሃብ ዘንቐደ ምስታ ርእሰ ምምሕዳር ዝተገብረ ስምምዕ፣ ነቲ ድሮ ብግጭት፣ ደርቂን ድኽነትን ልሉይ ዝኾነ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝበኣሰ ነውጺ ከየእትዎ ይስጋእ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0