ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ብጅምላ ተቐቲሎም ናይ ዝተባህሉ ዜጋታታ ከተጻሪ ምዃና ገሊጻ

Radio Erena: Wednesday, 23 August 2023

ዶብ የመን ሰጊሮም ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምእታው ዝሓለኑ ኣማኢት ኢትዮጵያን ስደተኛታት፣ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ብዝተኮስሎም ጠያይቲ ከምዝሞቱ ጸብጻብ ሁማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጸብጻቡ፣ ንስዑዲ ዓረብ ብጃምላዊ ቅትለውት’ዩ ወቒሱ።

ስዑዲ ዓረብ ነቲ ክሲ እኳ እንተነጸገቶ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና የጻርዮ ከምዘሎ ብ22 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዓመታዊ ኣስታት 200 ሽሕ ዝግመቱ፣ መብዛሕቶም ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲን ሶማልን ተበግሶም ናብ የመን ብምእታው፣ ጉዕዞ ስደቶም ናብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመትን ንምቕጻል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶባት ከምዝሰግሩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ምስ የመን ዘዳውባ ከባቢታት ብጽኑዕ እትሕሉ ስዑዲ ዓረብ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ሓይልታታ ጃምላዊ ቶኽሲ ከምዝኸፍዩ ብተደጋጋሚ’ያ ትውቐስ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ናብ ስዑዲ ዓረብ ሰጊሮም ዝተታሕዙ ድማ ብኣዝዩ ኣሰቓቒ ኩነታት ከምእትቕይዶም ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0