ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ፑቱን ኣብ ዋዕላ ብሪክስ ንምስታፍ ኣብ ዝመጽኣሉ ከይእሰር ንኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ሕቶ ኣቕሪባ

Radio Erena: Thursday, 20 July 2023

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሲሪል ራማፎሳ፣ ሩስያያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን፣ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ብሪክስ ንምስታፍ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽኣሉ ከይእሰር፣ ንኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ወግዓዊ ሕቶ ምቕራባ መርበባት ዜና ሓቢረን።

ብሰንኪ’ቲ ምስ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፣ ክሲ ገበነኛታት ተመስሪትሉ ንዘሎ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእሳር እንተተፈቲኑ ኵናት ከም እዋጅ’ዩ ክብል ፕረዚደንት ራማፎሳ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ዋዕላ ‘ብሪክስ’ ንምትእንጋድ እትዳሎ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ካብ ሃገራት ምዕራብ ክመጽኣ ንዝክእል ጸቕጢ ንምውጋድ፣ ናብ ቻይና ንምስግጋሩ ትዘራረብ ከምዘላ’ዩ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ።

እቲ ንብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓቖፈ ዋዕላ ሓሙሽተ ሃገራት ብሪክስ፣ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ክካየድ ተመዲቡ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሩስያ፣ ቭላድሚር ፑቲን፣ ብጉዳይ ክሲ ገበናት ኵናት ኣብ ዩክሬይን ተመሓላልፉ ዘሎ፣ ኣብ ዝገሸሉ ሃገር ተተሓሒዙ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ዝብል ትእዛዝ፣ ነታ ሃገር ኣሻቒሉዋ ይርከብ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ንውዕል እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝኸተመት ሃገር ብምዃና፣ ፕረዚደንት ሩስያ ናብ ሃገራ እንተመጺኡ፣ ናብቲ ቤት ፍርዲ ከተረክቦ ክትግደድ’ያ።

ብኣንጻር’ዚ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት፣ ስርዓተ ዓለምን ሕቡራት ሃገራትን ለውጥታት ክካየድ እትጠልብ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ንትእዛዝ እቲ ቤት ፍርዲ ዕሽሽ ብምባል፣ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዋዕላ ብሪክስ ንምስታፍ ክትቕበሎ ከምእትኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።

ዝበዝሐ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ምትእስሳራ ምስ ሃገራት ምዕራብ ዝኾነ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ነዚ ስጉምቲ እዚ እንተወሲዳ፣ ክወርዳ ዝኽእል ጸቕጢ፣ ተነጽሎን ካብኡ ሓሊፉ’ውን እገዳ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝፈጠረላ ዘመልክተ መርበብ ዜና ፎረይን ፖሊሲ ብወገኑ፣ ዋዕላ ብሪክስ ናብ ቻይና ወይ ሞዛምቢክ ክሰጋገር ተኽእሎ ከምዘሎ ስሞም ንዘይጠቐሶም ዲፕሎማሰኛታት ብምውካስ ይእንፍት።

ዋዕላ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ብሪክስ፣ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ ፕሪቶርያ ከምዝተጋብአ ይፍለጥ።

ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራት ብሪክስ፣ ብጠቕላላ ኣስታት 3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ወይ ድማ ልዕሊ 40% ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና ዝሽፍና እኳ እንተኾና፣ ኣብ ቁጠንን ንግዲን ጽግዕተኛ ናይተን ብጉጅለ ሸውዓተ ዝፍለጣ ምትእኽኻብ ሃብታማት ሃገራት ምዃነን ጸብጻባት ቁጠባ የመልክት።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0