ኢትዮጵያ፣ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ቁጠባ ጽገና ንምክያድ ናይ 12 ቢልዮን ዶላር ልቃሕን ምወላን ሓቲታ

Radio Erena: Thursday, 20 July 2023

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መዲበዮ ኣለኹ ንዝበሎ ናይ ቁጠባ ጽገና ንምክያድ ናይ 12 ቢልዮን ዶላር ልቃሕን ምወላን ከምዝሓተተ፣ ኣማኻሪ ቁጠባዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣቶ ተኽለወልድ ኣጥናፉ ምስ ዘ ሪፖርተር ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ’ቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኵናት ሰሜን ምስ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ዛሕቲሉ ዝጽንሐ ዝምድናኣ ኣብ ዝመሓየሸሉ ዘሎ እዋን’ያ ነቲ ምወላ ትሓትት ዘላ።

መብዛሕትኡ ክፋል ናይቲ ምውላ ካብ ባንክ ዓለም ክትረኽቦ ተስፋ ከምዘሎ መግለጺ እቲ ኣማኻሪ ይእንፍት።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተነበረ ናይ ቁጠባን ንግዲን እገዳታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ከልዕሎ’ዩ ዝብል ተስፋ ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ኣማኻሪ፣ ኢትዮጵያ ንእትሓቶ ምወላ ጸገም ከጋጥሞ’ዩ ዝብል ስግኣት ከምዘየለ ኣሚቱ።

ኣስታት 30 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ውህሉል ናይ ወጻኢ ዕዳ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ገለ ክፋሉ ክስረዘላ’ውን ክትሓትት ጸኒሓ’ያ።

ኢትዮጵያ፣ ዝበዝሐ ክፋል እቲ ናይ ወጻኢ ዕዳ ካብ ቻይና ዝተለቅሓቶ ምዃኑ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክት።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ብሰንኪ ኵናት ብከቢድ ዝተሃስየ ቁጠባ ኢትዮጵያ ብዘይ ናይ ወጻኢ ፊናንስያዊ ሓገዝ ወይ ምወላ ክሓዊ ከምዘይክእል ተንተንቲ ቁጠባ ይሰማምዑ።

ዝቕባበ ባጤራ ኢትዮጵያ 40% ተገማጊሙ ከምዘሎ ዝገልጹ እቶም ተንተንቲ፣ መንግስቲ ንናይ ወጻኢ ንግዲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ሃገር’ውን ኣኹል ባጀት ንምንቅስቓስ ተጸጊሙ፣ ኣብ ሓያሎ ክልላት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ደሞዞም ብስሩዕ ዘይክፈልሉ ኩነታት ተኸሲቱ ምህላዉ የረድኡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0