ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝጀመረ ፌስቲቫል ህግደፍ ደው ናይ ምባል ስርሒታት ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን’ውን ክቕጽል ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: Friday, 21 July 2023

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣብ ጀርመንን ዓዲ እንግሊዝን ዝጀረመ ፌስቲቫላት ህግደፍ ደው ናይ ምባል ስርሒታት ብርጌድ ንሓመዱ፣ ኣብ ኣመሪካ ካናዳን’ውን ክቕጽል ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ወደብቲ እቲ ስርሒታት በብወገኖም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዝዝርግሕዎ ዘለዉ መግለጺታት፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ሲያትል፣ ኣብ መጀመርያ ዕለታት ወርሒ ነሓሰ ንዝካየድ ፌስቲቫል ህግደፍ ደው ንምባል ብስም ‘ወፍሪ ላምፒዱሳ’ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ምህላዉ ኣፍሊጦም።

እቲ ብሳዕስዒትን ጓይላን ዝተሰነየ፣ ናይ ስያትል ፌስቲቫል ህግድፍ ደው ናይ ምባል ስርሒት፣ ብስም እቶም፣ ኣብ 03 ጥቅምቲ ኣብ 2013፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ከባቢ ደሴት ላምፔዱሳ ዝጠሓሉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ከም ዜጋታት ዝኽሪ ዝነፈጎም ህጻናትን ኣዴታትን ዝርከብዎም ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ዝተሰምየ’ዩ።

ምቅንስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፣ ኣብ ካናዳ’ውን ብስም ኣዳላዊ ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ፣ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ዝተሰምየ ስርሒት ይውድብ ምህላዉ ‘ዩ ዝንገር።

ኣብ ጀርመን ከተማ ጊሰንን ዓዲ እንግሊዝን ፌስቲቫላት ህግደፍ ደው ናይ ምባል ዝተኻየደ ዕዉት ስርሒታት ብርጌድ ንሓመዱ፣ ካብ 03 ክሳብ 06 ነሓሰ፣ ኣብ ሽወደን’ውን ብስም ወፍሪ ‘ዳዊት ኢሳቕ’ ንምድጋሙ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ምህላዉ ኣቐዲሙ ተቓሊሑ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ጀርመን፣ ከተማ ጊሰን፣ፌስቲቫል ህግደፍ ደው ንምባሉ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት፣ ብማዕከናት ዜና ዓለም ልዑል ኣቓልቦ ረኺቡ’ዩ።

ብከተማ ጊሰን ዝተነጽገ እቲ ፌስቲቫል፣ ብናይ ይግባይ ውሳኔ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ጀርመን፣ ክካየድ እኳ እንተተፈቕደሉ፣ ፖሊስ ጀርመን ፌስቲቫል ምልኪ ክሕሉ ውዒሉ፣ እቲ ሓራዲ ኣብ ዓድና ፌስቲቫል ይገብር ኣሎን ፌስቲቫል ሕፍረትን ዝብሉ ኣርእስታት ‘ዩ ብማዕከናት ዜና ተዋሂብዎ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ’ውን፣ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ብዝወደቦ ‘ወፍሪ ኣዴታት’ ዝሰመዮ ስርሒት፣ ፌስቲቫል ህግደፍ ጠቕሊሉ ደው ክብል ብፖሊስ ከምዝተወሰነ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0