ሶማል፤ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ኢትዮጵያ ናይ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ

Radio Erena: Friday, 11 June 2023
ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ሶማል፤ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ኢትዮጵያ ናይ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።
ማዕከን ዜና ኣናዶሉ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፤ እቲ ኣብ ክልተ መካይን ብዝተጻወደ ቦምብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፤ ኣርባዕተ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ምቑሳሎም ተገሊጹ።
እቲ መዓስከር ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ እትርከብ ከተማ ዶሎው ዝርከብ ኮይኑ፤ ጉጅለ ኣልሸባብ ብተደጋጋሚ ዶብ ጥሒሱ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ምስጀመረ’ዩ ሰራዊት ሰፊሩዎ።
መንግስቲ ሶማል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ኣብቲ መዓስከር ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፤ ኣካል ዓቃብ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘይኮነስ፤ ንሰራዊት ሶማል ደገፍ ክህብ ተባሂሉ ዝቖመ እዩ ኢሉ።
ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝመጸት ቀዳመይቲ መኪና ኣብ ኣፍደገ’ቲ መዓስከር ጉድኣት ከተውርድ እንከላ፤ እታ ካልኣይቲ ግና ናብቲ መዓስከር ከይበጽሐት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወት ሚኒስትሪ ምክልኻል’ታ ሃገር ኣመልኪቱ።
ኣቐድም ኣቢሉ፤ ኣልሸባብ፣ ኣብ ዞባ ታሕታይ ሸበሌ፣ ሰራዊት ኡጋንዳ ዓስኪርሉ ዝርከብ፣ ቡለማረ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ብ26 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ 54 ወተሃደራት ክቕተሉ እንከለዉ፤ ኣብ ሰብን ንብረትን ከኣ ከቢድ ክሳራታት ምውራዱ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0