ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኲናት እስራኤልን ፍልስጤምን ንዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት ዝኽሪ ተኻይዱ

Radio Erena: Wednesday,31 January 2024

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሮም ጋዜጠኛታትን ደገፍቲ ፍልስጤም ዝኾኑ ሰልፈኛታትን ብሰንበት 28 ጥሪ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ተኣኪቦም ኣብ ጋዛ ብዝተፈጥረ ግጭት ህይወቶም ዝሰኣኑ ጋዜጠኛታት ዘኪሮም።

ብመሰረት ጸብጻብ ኮሚቴ ምክልኻል ጋዜጠኛታት፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ብውሕዱ 83 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሚድያን ህይወት ስኢኖም። እዚ ድማ 76 ፍልስጤማውያን ጋዜጠኛታት፣ ኣርባዕተ እስራኤላውያን ጋዜጠኛታትን ሰለስተ ሊባኖሳውያን ጋዜጠኛታትን የጠቓልል።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ንጋዜጠኛታት ሓዊስካ ተሳተፍቲ፡ ብዛዕባ ሪፖርተራት ዘጋጥሞም ብድሆታት ተዛራሪቦም።

ኣዳላዊ ናይቲ ኣብ ጎደና ዝተገብረ ዝኽሪ ደሽኒ ሱብራማኒ፡ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኣብ ምጉዳል ዓቕሚ ጋዜጠኛታት ጽልዋ ከምዘለዎ ኣስሚርሉ።

እስራኤል ብ13 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ጋዜጠኛ ሮይተርስ ኢሳም ዓብደላ ዝቐተለን ካልኦት ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ዘቑሰለን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ክኸውን ከምዝኽእልን ክምርመር ከምዘለዎን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ ምንባሩ ይዝከር።

ደቡብ ኣፍሪቃ ንእስራኤል ብጃምላዊ ቅትለት ብምኽሳስ፡ እቲ ግጭት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ግዝያዊ ስጉምቲ ክውሰደላ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዘሄግ ሓቲታ ኣላ።

እዞም ስጉምትታት፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ደው ምባል፡ ነበርቲ ጋዛ ሓገዝ ክረኽቡ ምግባርን ምጽናት ዓሌት ንምክልኻል “ርትዓዊ ስጉምትታት” ከምዝውሰዱ ምርግጋጽን ይርከብዎም።

ኣብ ጆሃንስበርግ ዝካየድ ዘሎ ንቕሎ ምስ ግዳያት ምትሕግጋዝ ዘንጸባርቕን ብዛዕባ እቲ ግጭት ዝጽብጽቡ ጋዜጠኛታት ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ንምቅላሕ ዝዓለመን’ዩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0