“ሶማሊላንድ፡ ኣህጉራዊ ወዕላት ናይ ምፍራም ስልጣን ዘለዋ ነጻ ሃገር’ያ” ኣምባሳደር ሙኽታር መሓመድ ዋረ

Radio Erena: Wednesday,31 January 2024

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ሙኽታር መሓመድ ዋረ፣  ብዛዕባ ሶማልን ርሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣመልኪቱ ምስ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ንዝሃቦ ሓበሬታ ይቕሬታ ሓቲቱ።

‘ሶማል ብገዛእቲ ዝተመስረተት ሃገር’ያ’ ዝበለ ኣምባሳደር ዋረ፡ ሶማሊላንድ ብወገና፡ ብግብሪን ሕጋዊ ኣገባብን ኣህጉራዊ ስምምዓት ናይ ምፍራም ስልጣን ዘለዋ ነጻ ሃገር ምዃና’ዩ ጠቒሱ።

እቲ ኣምባሳደር ካብ ስርሑ ክእለ ከምዝኽእል ዝገልጽ ጸብጻባት ስዒቡ፣ ንመንግስትን ህዝብን ሶማልያ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሳ ቢሂ ዓብዲ ድሕሪ ዝተበጽሓ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምጥቃም ውዕል ኣብ ሶማልያ ሓያል ስምዒት ፈጢሩ ኣሎ::

ካብ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ክሳብ ተራ ሶማላውያን ሰላማውያን ሰባት ስምምዕ ‘ኢትዮጵያ ሶማሊላንድ‘ ብትሪ ክቃወምዎ እንከለዉ ከም ምጥሓስ ልኡላውነት ሶማልያ ተራእዩ ንኲናት ዝደፋፍእ ረስንታት ይርአ ኣሎ::

ኢትዬጵያ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ኣምሳያኡ ድማ ንሶማሊላንድ ከም ሉኣላዊት ሃገር ኣፍልጦ ንምሃብ ዘንቐደ ምስታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ነቲ ድሮብግጭት፣ ደርቂን ድኽነትን ልሉይ ዝኾነ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝበኣሰ ነውጺ ከየእትዎ ይስጋእ።

ኣብ 1991 ንገዛእ ርእሳ ከም ሉኣላዊት ሃገር ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ዝኾነት ሃገር ኣፍልጦ ከምዘይትህባ ይፍለጥ።

ናይ ሶማሊላንድ ናይ መጉዓዝያ ሰነድ ማለት ፓስፖርት፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ጂቡቲን ኢትዮጵያን ጥራይ ተቐባልነት ኣለዎ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0