ኤርትራን የመንን፣ ኣብ ህሉው ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ተዘራሪበን

Radio Erena: Tuesday, 30 January 2024

ኤርትራን መንግስቲ የመንን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ብዝምልከት ሓሳብ ንሓሳብ ከምዝተለዋውጣ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እዘን ክልተ ሃገራት ነዚ ዝተዘራረባሉ፣ ጎኒ ጎኒቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኡጋንዳ ዝተኻየደ ዋዕላ ሻራ ዘይብለን ሃገራትዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምስ የመናዊ መዘንኡ ኣሕመድ ቢን ሙባረክ፣ ብ19 ጥሪ ብኣካል ምርኻብ ነቲ ዘተ ከምዘካየዱውን እቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ የመን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መንግስቲን ሓይልታት ሑቱን፣ ተገማሚዓ እትርከብ የመን፣ ጸጥታ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ብዘይምኽኣላ፣ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ዩ ዝግለጽ።

ብፍላይ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስን ክሊ ማይን የመን፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ቲ ብኢራን ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ሑቲዩ ዝርከብ።

ኣብ ስደት ኣብ ሪያድ ዝርከብ መንግስቲ፣ ብስዑዲ ዓረብ ክድገፍ እንከሎ፣ ሑቲ ድማ ብኢራን ከምዝሕገዩ ዝንገረሉ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕ ሓይልታት ልፍንቲ፣ ኣብ 2015 ኣንጻር ሑቲ፣ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣብ ዝኸፈተትሉ፣ ኤርትራውን ኣብ ጎነን ብምስላፍ፣ ክሊ ኣየርን ባሕራን ንሎጂስቲክን መጥቃዕን እቲ ልፍንቲ ከምዘፍቀደት ይዝከር።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0