ደቡብ ሱዳን፡ ሰደድ ኣገደስቲ ኣቑሑት ናብ ሱዳን ገዲባ

RADIO ERENA – Friday, 29 March 2024

ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሕጽረትን ናህሪ ዋጋታትን ንምፍታሕ ናብ ሱዳን ሰደድ ኣገደስቲ ኣቑሑት ገዲባ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ክልቲአን ሃገራት ከቢድ ቁጠባዊ ብድሆታት ኣጋጢምወን ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ደቡብ ሱዳን ዊልያም ኣንዩን ኩኦል፣ መንግስቲ ኣብ ምርግጋእ ዋጋታት መግቢ ውሽጢ ሃገር ዘለዎ ቀዳምነት ኣስሚሩሉ።

ገደብ ሰደድ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ቀረብ መሰረታዊ ነገራት ንኽህሉ ዝሕግዝ ስትራተጂ ምዃኑ ድማ ኣብሪሁ።

ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ውሽጣዊ ንግድን ምህርትን ብፍላይ ኣብ ዳርፉር ተሰናኺሉ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፣ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ናብ ዳርፉር ዝኸዳ መግብን ነዳድን ዝጸዓና መካይን ኣብ ዶብ ደው ከምዘበሉ’ወን ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።

ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት መዓልታዊ 1000 ሰባት ዶብ ሰጊሮም ናብ ደቡብ ሱዳን ከም ዝኣትዉ ሴቭ ዘ ቺልድረን ይገልጽ።

እዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ብድምር ልዕሊ 600 ሽሕ ዝበጽሕ ዋሕዚ ስደተኛታት፣ ነታ ድሮ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላውን ክሊማዊ ለውጢ ዘስዓቦ ሽግራትን ኣብ ምብዳህ ትርከብ ደቡብ ሱዳን ናብ ዝበኣሰ ኩነታት ከም ዘእተዋ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0