ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብሪጣንያ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምስጓግ ዝዓለመ እማመ ደው ከተብሎ ኣተሓሳሲቡ

RADIO ERENA – Friday, 29 March 2024

ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት  ማለት UNHCR፣ ብሪጣንያ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክጸድቕ ዝኽእል ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ንምስጓግ ዝዓለመ እማመ ደው ከተብሎ ትማሊ ሓሙስ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘካየዶ ገምጋም፣ ሓተትቲ ዑቕባ ንምስግጋር ምስ ሳልሰይቲ ሃገር ብፍላይ ድማ ምስ ሩዋንዳ ዝተገብረ ምድላዋት ከምዘሕዝኖ ገሊጹ።

ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ ብሪጣንያ ነቲ እማመ ክትስሕቦ እንተሓሊፉ ድማ ክትስርዞ ንጽውዕ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ዝመርሖ ዓቃባዊ መንግስቲ ብሪጣንያ፣ በብዓመቱ ዝኣተዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ንምስግጋር ይሰርሕ እኳ እንተሃለወ፣ ብዘጋጠሞ ሕጋዊ ብድሆታት ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ሰብ ናብታ ሃገር ከይለኣኽ ተኸኪሉ ጸኒሑ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ፖሊሲ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር።

ነቲ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ተቓውሞ ንምብዳህ መንግስቲ ሱናክ ሩዋንዳ ንሓተቲ ዑቕባ ውሕስቲ ሃገር ምዃና ዝእውጅ እማመ ከሕልፍ ትጽቢት ይግበር።

እቲ እማመ ዳግማይ ናብ ባይቶ ብሪጣንያ ኣብ15 ሚያዝያ 2024ንክትዕ ክቐርብ እዩ።

ብሪጣንያ፣ ካብ ጥሪ 2022ኣትሒዞም፣ ብጀላቡን ካልእ ዘይሕጋዊ መንገዲን ንዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ናብ ርዋንዳን ንምግዓዝ ናይ ኣስታት 150 ሚልዮን ዶላር ውዕል ምኽታማ ይፍለጥ።

ብሪጣንያ ናብ ግዝኣታ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክትሰድድ ዝኣተወቶ ስምምዕ ኣብ መላዕ ዓለም ኣብ ዝርከብ ንጥብቅና መሰል ደቅሰብ ኣብ ዝቖመ ኣካል ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0