ቢንያም መስበርቲ ከም ዘይብሉ ጋንትኡ ሓቢራ

RADIO ERENA – Friday, 29 March 2024

ኣብ ውድድር ድዋርስ ዶር ቭላንደርን 2024 ትማሊ ረቡዕ ብንያም ግርማይ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ተጻወትቲ ዝነበርዋ ጉጅለ ናይ መውደቕቲ ሓደጋ ኣጋጢምዋ።

ቤልጁማውያን ቫን ኤርትን ጃስጴር ስቱይቨንን መስበርቲ ከጋጥሞም ከሎ ብንያም ግን መውደቕቱ ፎኪስ ምኹኑን ዝኾነ መስበርቲ ከም ዘይብሉን ጋንትኡ ሓቢራ።

ንዝተረፉ ኣብ ፍላንደርስ ክላሲክስ ዝህልዉ ቅድድማት ምስታፉ ኣብ ሕቶ ምልክት ከምዘሎ ቪስቢክ ካብ ኢንተርማርቸ – ዋንቲ ምስ ዊለርፍሊትስ ኣብ ዝገበሮ ዕላል ገሊጹ።

ቀዳማይ ብዝገበሮ መርመራ መሰረት መስበርቲ ከምዘይብሉን መውደቕቱ ፎኪስ ምዃኑን ኣረጋጊጽና ኢና ዝበለ ቪስቢክ፣ ኣብ ከባቢ መሰንገልኡ ቁሩብ ማህረምቲ ስለ ዘለዎ ግን ካብ ጸወታ ክጸንሕ’ዩ ክብል ገሊጹ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0