ደቡብ ሱዳን፣ ዕጡቓት ኮሚሽነር ኣውራጃ ዝርከቦም 15 ሰባት ቀቲሎም

RADIO ERENA – Thursday, 21 March 2024

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ዞባ ፒቦር፣ ዕጡቓት፣ ብ19 መጋቢት፣ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ ኮሚሽነር ኣውራጃ ቦማ ዝርከቦም 15 ሰባት ከምዝተቀትሉ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ኮሚሽነር፣ ኣብ ሓንቱ ቁሸት ናይቲ ኣውራጃ ናይ ስራሕ ዑደት ኣካይዱ እናተአልሰ እንከሎ፣ መብዛሕቶም መንእሰያት ዝኾኑ ዕጡቓት፣ ኣድብዮም ብዝጽናሕ ብዝኸፈቱሉ ቶዅሲዩ ምስ ሓያሎ ዓጀብቱ ተቐቲሉ።

ጠንቂ ቲ ቅትለት፣ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣብ መወዳእታ ዓመት ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ደቡብ ሱዳን፣ ንዞባታት መን ይውክል ዝብል ምስ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

እቲ ዞባ ኣቐዲሙውን ከም ካልኦት ዞባታት ደቡብ ሱዳን ብቀቢላን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ጉዳያትን፣ ተደጋጋሚ ግጭታት ይካየደሉዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0