ኣምባሳደራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ብድሆታትን ዕድላትን ጓሶት ዘተ ኣካይዶም

RADIO ERENA – Friday, 22 March 2024

ጉጅለ ኣምባሳደራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ብድሆታትን ዕድላትን ጓሶት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝምልከት ሓሳባት ኣብ ምልውዋጥ ዝዓለመ ዘተ ኣካይዶም።

እቲ ዘተ ኣብ ብራስለስ ቤልጁም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ከም ዝተኣንገደ ተፈሊጡ።

ብመሪሕነት ኣቦ መንበር FAO ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣቦ መንበር FAO ቤልጁምን ድማ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዘተ ምቕናስ ጽልዋታት ለውጢ ክሊማ፣ ምሕደራ ሃብቲ ማይ፣ ድሕሪ ቀውዒ ዘጋጥም ክሳራ ዘራእትን ዘላቒ ቀለብ እንስሳታት ንምውሓስን ዝበሉ ንምትሕብባር ዝሕግዙ ኣርእስታት ተላዒሎም።

ብውሽጣዊ ሃብትን ዕቑር ማዕድናትን ትልለ ኣፍሪቃ ህዝባ መብዛሕትኡ ግዜ ተጸባዪ ረድኤት ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

ኣብ ሰለስተ ዓመት ዝዝርጋሕ ጸብጻብ FAO ብሰንኪ ዞባዊ ግጭታትን ክሊማዊ ለውጥን፣ ኣብ መላእ ዓለም 45 ሃገራትን ዞባታትን ናይ ደገ ሓገዝ መግቢ ከምዘድልየን ይሕብር።

ካብዚአን እተን ሰላሳን ሰለስተን ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ፣ ትሽዓተ ኣብ ኤስያ፣ ክልተ ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያንን፣ ሓንቲ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ይርከባ።

እቲ ጸብጻብ ኣብ ምብራቕ ኤስያ፣ ከምኡ’ውን ምዕራብን ምብራቕን ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ነቲ ዘሰክፍ ደረጃ ውሕስነት መግቢ የጋድዶ ከምዘሎ ይጠቅስ።

ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ቀጻሊ ልዑል ሙቐትን ትሑት ዝናብን ኣብ 2024 ምህርቲ እኽሊ ብዓቢኡ ከምዝነከየን ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብ ኩነታት ኣየር ርኡይ ምምሕያሽ ከምዘየለን ይሕብር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0