ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ጌጋ፣ ልዕሊ 2 ቢልዮን ብር ተወሲዱን ተዘዋዊሩን

RADIO ERENA – Thursday, 21 March 2024

ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ብዘጋጠሞ ናይ ኤሌክትሮኒካዊ ናይ መስርሕ ጌጋ፣ ዓማዊል እቲ ባንክ ዝኾኑ ኣስታት 10ሽሕ ተጠቐምቲ ልዕሊ 2.4 ቢልዮን ብር ከውጽኡን ከዘዋውሩ ከምዝኽኣሉ ተሓቢሩ።

እቲ ዓርቢ ምሸትን ናብ ቀዳም ዘውግሐ ለይቲን፣ ንውሱን ሰዓታት ዝጸንሐ ናይ ኤሌክትሮኒካዊ መስርሕ ጌጋ፣ ንዓማዊ፣ ኣብ ሕሳቦም ካብ ዘለዎም ንላዕሊ ዝደለይዎ ብዝሒ ገንዘብ ከውጽኡ ይኹን ከዘዋውሩ ዩ ፈቒዱሎም።

እቲ በዚ ናይ መስርሕ ጌጋ ጠፍኡ ወይ ተዘዋዊሩ ዝብሃል ዝብሃል ዘሎ ብዝሒ ገንዘብ፣ ኣሶሸይትድ ፕረስ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ ክገልጾ እንከሎ፣ ኣጃንስ ፕረስ ኣፍሪቃ ድማ ልዕሊ 106 ሚልዮን ምዃኑ ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ኣቤ ሳኖ ብውገኑ፣ ኣብቲ ናይ መስርሕ ጌጋ ዘጋጠመሉ ሰዓታት፣ ብጠቕላላ ልዕሊ 490 ሽሕ ናይ ገንዘብ ምስግጋራት ከምዝነበረ ሓቢሩ።

እዚ ድማ ገሊኡ ናይ ሓቒ ክከውን እንከሎ እቲ ገሊኡ ግና ነቲ ጌጋ ተጠቒሞም ገንዘብ ዘሰጋገሩዮም።

እቶም ነቲ ዘጋጠመ ጌጋ ተጠቒሞም ገንዘብ ዝወደሱ ሰባት፣ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ክመልስዎ ዝጸውዐ እቲ ፕረዚደንት፣ ዘይመለሱ ብሕጊ ከምዝሕተቱ ኣጠንቂቑ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0