ደቡብ ሱዳን፣ ዓቃብ ሰላም ክኣቱ እማመ ቀሪቡ

ደቡብ ሱዳን፣ ዓቃብ ሰላም ክኣቱ እማመ ቀሪቡ

Radio Erena: 21 September 2018

 nicolas haysem    ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ብሰላም ንምዕራፍ ጎዲሉ ዘሎ መስርሕ፣ ምእታው ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ’ዩ ክብል ላዕለዋይ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ገሊጹ።

     ኒኮላስ ሃይሰም ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ተግባራዊ ክኸውን ገና ተስፋ ከምዘሎ፣ እንተኾነ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሃጓፍ ዝመልእ ዓቃብ ሰላም ብሕብረት ኣፍሪቃ ክለኣኽ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

 

     ሓደ ካብቲ ኣብ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ጎዲሉ ዘሎ ነጥቢ፣ ነቲ ስምምዕ ዝጠሓሰ ወገን ዝወሃቦ መቕጻዕቲ ዘይምህላዉ’ዩ ክብል እቲ በዓል ስልጣን ይገልጽ።

     ብመሰረት’ቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፣ ሱዳን፣ ዩጋንዳ፣ ጂቡቲን ሶማልያን ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጥርነፍ ሰራዊት ከዋፍራ’የን።

ውግእ ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን ብሰላም ንምዕራፉ ብተደጋጋሚ ስምምዕ ክፍረም’ኳ እንተጸነሐ፣ ሳልስቲ ከይጸንሐ ክጠሓስ’ዩ ዝረአ። ቀንዲ ምኽንያቱ ከኣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይ ክልቲኦም ወገናት፣ ብፖለቲካውያን መራሕቶም ስለዘይእዘዙን ናይ በይኖም ውሳኔታት ስለዝወስዱን’ዮም ክብሉ ተንተንቲ እቲ ከባቢ ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0