ላዕለዋይ ባይቶ ስዊዘርላንድ፣ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ንዝብል እማመ ነጺጉ

ላዕለዋይ ባይቶ ስዊዘርላንድ፣ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ንዝብል እማመ ነጺጉ

   Radio Erena: 21 September 2018 

upper house swiss      ላዕለዋይ ባይቶ ስዊዘርላንድ፣ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ንዝብል እማመ ከምዝነጸጎ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ብየማናዊ መርገጺ ዘለዎ ህዝባዊ ፓርቲ ዝቐረበ እማመ፣ ግዚያዊ መንበሪ ፍቓድ ሒዞም ግና ናይ ዑቕባ መሰል ንዘይተዋህቦም ኤርትራውያን፣ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ዋላ እንተቕረቡ፣ ናብ ዓዶም ክጥረዙ ዝብል እዩ ኔሩ።

     ኣብቲ ብረቡዕ ዝተጋበአ ላዕለዋይ ባይቶ ስዊዘርላንድ፣ እቲ ህዝባዊ ፓርቲ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ስለዝተኸተመ፣ መንግስቲ ስዊስ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብምዝርራብ፣ እቶም ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ዝጥረዙሉ መስርሕ ከቀላጥፍ ጸዊዑ።

 

     እንተኾነ ሚኒስትሪ ፍትሒ’ታ ሃገር፣ መንግስቲ ኤርትራ ንሓባራዊ ዝምድና ይኹን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ፍጹም ድሌት ከምዘይብሉ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ ህላዌ ወኪል ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ’ውን ከምዘይተቐበሉ ኣፍሊጡ።

     ጉዳይ ናይቶም ግዚያዊ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡዎም ዘሎ ኣስታት 3,500 ኤርትራውያን ዳግማይ ክረአ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ከምዝተወሰነ ዝዝከር’ዩ።

     ካብቶም ዳግመ-መርመራ ዝተገብረሎም 250 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ 20 ስደተኛታት ናይ ዑቕባ መሰል ስለዘይተዋህቦም፣ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ኣብ መዝገብ ምስፋሮም፣ ካብ ሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ተቓውሞታት ክገጥሞ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0