ናይቶም ብዓሌታዊ ግጭት ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን 58 በጺሑ

ናይቶም ብዓሌታዊ ግጭት ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን 58 በጺሑ

Radio Erena: 21 September 2018

displaced oromia     ቁጽሪ ናይቶም ብዓሌታዊ ግጭት ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን 58 በጺሑ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ።

      ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ብወገኑ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰምበት ኣብ ከባቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዓሌታዊ ግጭት ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ብዉሑዱ ልዕሊ 65 ከምዝኾነ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

 

     ዝበዝሐ መጥቃዕቲ ዝወረዶ ቡራዩ ዝተባህለ ከባቢ ምዃኑ ዝጠቐሱ ምንጭታት ዜና፣ ኣብ ኣሸዋ ሜዳ፣ ኮልፌን ካልኦት ከባቢታትን ዝነብር ህዝቢ’ውን ከቢድ ጉድኣት ወሪዱዎ ከምዘሎ ይገልጹ።

     ብዘይካ’ቶም ፖሊስ ክሰርቁ ተታሒዞም ዝበሎም ብጥይት ዝተቐትሉ፣ ኩሎም’ቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰላማውያን ሰባት፣ ብካራ፣ በእማንን ኣባትርን ዝተጨፍጨፉ እዮም።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ናይ’ቶም ብፖሊስ ዝተቐትሉ ሓሙሽተ ሰባት እውን ቅልጡፍ መርመራ ክገብር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ጸዊዑ’ሎ።

     ዝበዝሑ ነበርቲ’ዚ ብግጭት ዝተሓመሰ ከባቢታት ኣብ ቤት ትምህርታትን ቤተ ክርስቲያናትን ተዓቚቦም ኣለዉ። እቶም ግዳያት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላምን ውሕስነትን ኣረጋጊጹ ብቕጽበት ናብ ቤት ንብረቶም ክምለሱ ጻውዒት የቕርቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0