ደቡብ ሱዳን፣ ወደብ ጂቡቲ ንምጥቃም ምስታ ሃገር ዘተ ተካይድ

Radio Erena: Wednesday, 19 July 2023

ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ወደብ ጂቡቲ ንምጥቃም ኣብ ዝህሉ መስርሕ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ጂቡቲ ይዝትዩ ኣለዉ።

እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ደቡብ ሱዳን፣ ብ18 ሓምለ ናብ ጂቡቲ ድሕሪ ምእታዉ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ብዝተመርሐ ወኪል መንግስቲ ጂቡቲ ይዝቲ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዘተ፣ ካብ ወደብ ጂቡቲ፣ ብመንገዲ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ሱዳን ዘራኽብ መስመር ብምትኳር’ዩ ዝዝቲ ዘሎ።

ኣገልግሎታት ወደብ ንምርካብ ተጸጊማ ከምዘላ እትግለጽ ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ናብ ጂቡቲ ተቛምት ምህላዋ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ንምርጋፍን ምጽዓንን ዘገልልግል ኣስታት 12 ሽሕ ትርቢዒት ሜትሮ መሬት ኣብ ጂቡቲ ዓዲጋ ከምዘላ እትገልጽ ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንእተትዎ ይኹን ናብ ወጻኢ እትልእኮ ነገራት በዚ ወደብ ንምጥቃብ ምምዳባ’ያ ኣረጋጊጻ።

ወደባት ሱዳን፣ ታንዛንያን ኬንያን በብእዋኑ ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት ደቡብ ሱዳን፣ ቤት ምኽሪ ንግዲ እታ ሃገር ናይ ወደብ ኣማራጺታቱ ጂቡቲ ክኸውን ምሕጽንታ ኣቕሪቡ ኔሩ’ዩ።

ሚኒስተር ነዳዲ ደቡብ ሱዳን፣ ፖት ካንግ ኮል፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ወደባት ፖርት ሱዳንን ሞምባሳን ኢና ክንጥቐም ጸኒሕና፣ ሕጂ ግና ናብ ጂቡቲ ክንግዕዝ ወሲና ኣለና ምባሉ ኣይርሳዕን።

እዚ ተበጊሱ ዘሎ ውሳኔ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ፣ ዘይተጻረየ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ብመንገዲ ጂቡቲ ናብ ዕዳጋ ዓለም ክቐርብ’ዩ። ደቡብ ሱዳን ድማ ካብ ወጻኢ እትሽምቶ ዘበለ ኩሉ ብወደብ ጂቡቲ ክኣቱ’ዩ።

ወደብ ሞምባሳ ኣብ ምጥቃም፣ ካብ ቀንዲ ዓማዊል ኬንያ ዝኾነት ደቡብ ሱዳን፣ ናብ ጂቡቲ እንተግዒዛ፣ ንኬንያ ዓቢ ቁጠባዊ ሃስያ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

እንተኾነ፣ ደቡብ ሱዳን ወደብ ጂቡቲ ንምጥቃም ናይ ግድን ብኢትዮጵያ ክትሓልፍ ስለዘለዋ፣ ካልእ ዝዓበየ ብድሆ ከምዝኾና እቶም ተንተንቲ ብተወሳኺ ይእምቱ።

ምስ ደቡብ ሱዳን ዝዳወብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ናይ ኢትይጵያ፣ ተደጋጋሚ እዋን ምፍራስ ጸጥታ ዝተራእዮን ሓደ ካብ ናይ ግጭት ዞባታት እታ ሃገር ምዃኑን ይፍለጥ።

ካብ 2011 ናጽነታ ዝረኸበት ደቡብ ሱዳን፣ ንወደብ ፖርት ሱዳን’ውን ትጥቀመሉ እኳ እንተነበረት፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘለዎ ርሕቀት፣ ምስታ ሃገር ‘ውን ብዙሕ ዘየቓዱ ከም ዋንነት ዶብ፣ ምክፍፋል ነዳዲን ካልእ ፖለቲካውን ወትሃደራውያን ዘይምርድዳእ ስለዝተፈጥረ ጠመተኣ ናብ ካልኦት ሃገራት ከተንብር ‘ያ ተገዲዳ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0