ሩስያ፣ ዩክሬይን እተፍርዮ ኣእካል ብውሑስ መንገዲ ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምብጻሕ ካብ ዝኣተወቶ ውዕል ስሒባ

Radio Erena: Wednesday, 19 July 2023

ሩስያ፣ ካብቲ ፍርያት ዩክሬይን ዝኾነ ኣእካል ብመንገዲ ጸሊም ባሕሪ ብውሕሱ መንገዲ ናብ ዕዳጋ ዓለም ክሽየጥ ዝኣተወቶ ውዕል ከምዝሰሓበት ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት፣ ብዩክሬይንን መሓዙታን ዘየቛርጽ ተጻብኦታትን መጥቃዕታትን ይቕጽል ብምህላዉ ምዃና፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፣ ብ17 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ክሊ ማያት ዩክሬይይን ኣብ ከበባ ሩስያ እኳ እንተኣተወ፣ ዕዳጋታት ዓለም ንምርግጋእ፣ ኣብ ዩክሬይን ዝፈሪ ኣእካል ብውሑስ መንገዲ ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምብጽጽሑ፣ ብመንገዲ ቱርኪ፣ ኣብ 22 ሓምለ 2022 ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ይዝከር።

ሩስያ ካብቲ ኣብ ሰንኮፍ ዝጸንሐ ውዕል፣ ድሕሪ ሓደ ዓመት ምስሓባ፣ ነተን ብኣውርኡ ኣብ ፍርያት ዩክሬይን ዝኾነ ኣእካል ብፍላይ ስርናይ ዝምርኮሳ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናይ መግቢ ቅልውላው ከይፈጥረለን ዘስግእ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ውዕል ኣብ ምኽታም ልዑል ግደ ዝተጻወተ ፕረዚደንት ቱርኪ፣ ጣይብ ኤርዶዋን፣ ብዛዕባ’ዚ ሩስያ ወሲዳቶ ዘላ ናይ ምስራዝ ስጉምቲ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ክዘራረብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0