ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ምክትታል ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክገብራ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

Radio Erena: Thursday, 20 July 2023

ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን፣ ክርአ ንዝጀመረ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ምድላዋት ክገብራ ውድብ መግቢን ሕርሻን ( FAO) ኣዘኻኺሩ።

እቲ ውድብ፣ ብ17 ሓምለ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ የመንን ስዑዲ ዓረብን ባርኖስ ከምዝተራእየ ብምርግጋጽ፣ ናብ ዕስለ ኣንበጣ ዓዅኹ ኣብ ዘርእቲ ከቢድ ዕንወት ከየውረደ ሓባራዊ ስግሙቲ ክውስደ ጸዊዑ።

ኣብ ቅናት ሳሕላ ሰሃራ ኣብ ዝርከብ፣ ካብ ሞሪታንያ ክሳብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ዘሎ ከባቢታት’ውን፣ ዝናብ ኣብ ዝወርደሉ ዘሎ ወቕቲ፣ ዝተጸፍየ እንቋቑሖታት፣ ናብ ባርኖስን ዕስለ ኣንበጣን ከይምዕብል፣ ምክትታል ክግበር እቲ ውድብ ተላብዩ።

FAO ኣብ መወዳእታ፣ ብፍላይ ልዕሊ 70% ካብ ህዝበን ኣብ ሕርሻን መጓሰን ዝናበር ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ጀሚሩ ዝሎ ጽቡቕ ናይ ክራማት ወቕቲ ብርኩት እቶት ክሕፈሶ ተስፋ ከምዘሎ ብምእማት፣ ባዕለ ዘራእትን ወራር ዕስለ ኣንበጣን ንምምካት ምስዘን ሃገራት ብዝተወሃሃደ መልክዕ ንምስራሕ ውጥን ከምዘለዎ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ንተኸታታሊ ዓመታት ብዘጋጠመ ደርቂ፣ ልዕሊ 30 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዉ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፣ ምስ ደርቂን ኵናት ተደሚሩ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ’ውን ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ምዕናዉ ይዝከር።

ብፍላይ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን እተን ቀንዲ በዚ ባህርያዊ ኩነታት ዝተሃስያ ሃገራት’የን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0