ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታ ብዘጋጠመ ባርዕ፣ ኤርትራዊ ወይ ኢትይጵያዊ ምዃኑ ዛጊት ዘይተነጸረ ነጋዳይ ምስ ወዱ ሞይቶም

Radio Erena: Thursday, 26 October 2023

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ዞባ ጆንጎሊ፣ ከተማ ቦር ኣብ ዝርከብ ዕሙር ናይ ንግዲ ከባቢ ማሮል፣ ብዘጋጠመ ባርዕ፣ ኤርትራዊ ወይ ኢትይጵያዊ ምዃኑ ዛጊት ዘይተነጸረ ነጋዳይ ምስ ወዱ ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ብ21 ጥቅምቲ፣ ብለይቲ ከምዘጋጠመ ዝተገልጸ ባርዕ፣ ሽዱሽተ ሰባት ‘ውን ቆሲሎም ከምዘለዉ፣ ንኣዛዚ ፖሊስ እቲ ዞባ፣ ሜጀር ጀነራል ኤልያ ኮስታ ብምጥቃስ ሱዳን ፖስት ገሊጹ።

ሱዳን ፖስት፣ እቶም በቲ ባርዕ ዝሞቱ ኣቦን ወዲን ኤርትራውያ ምዃኖም ክጠቕስ እንከሎ፣ ካልኦት መርበባት ዜና እታ ሃገር ድማ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ኣመልኪተን።

እቲ ባርዕ፣ ኣብ ንብረት’ውን ናይ ሚሊዮናት ዝግመት ዕንወት ከምዝወረደ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ጠቒሱ።

ጠንቂ’ቲ ባርዕ፣ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ቤት መግቢ ዝተበገሰ ምዃኑ ‘ዩ ተመልኪቱ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ወነንቲ ትካላት፣ በቲ ኣብ ህወይትን ንብረትን ጉድኣት ኣስዒቡ ዘሎ ባርዕ፣ ተሓታቲት ክትከውን፣ ኣብ ልዕሊ ወናኒት እቲ ሬስቶራንት ዝኾነት፣ መንነታ ዘይተጠቐሰ ጓለነስተይቲ ክሲ መስሪቶም ኣለዉ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ዞባ ጆንጎሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ወነንቲ ትካላት ኣብ ትካላቶም ከይሓድሩ ዝኽክል ሕጊ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፣ እቶም ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ ኣቦን ወዲን’ውን ነዚ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ትካሎም ኣብ ዝሓደርሉ ለይቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ከምዝሞቱ ኣተሓሳሲቡ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0